Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ንዝተትሓዘ ሸቶ ኣቕርቦት ኤሌክትሪክ ዝውዕል ናይ 500 ሚሊየን ዶላር ልቓሕ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኻዊ ማሕበር ልምዓት ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2025 ንዝተትሓዘ ሸቶ ኣቕርቦት ኤሌክትሪክ ዝውዕል ናይ 500 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ልቓሕ ኣፅዲቑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓማውቲ ብመርሃ ግብሪ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣስታት 60 ሚኢታዊ ከተማታትን ገፀርን ሽፋንን ኣቕርቦትን ዝሰሖ ስራሕ ዝተባባዕ ከምዝኾነ እቲ ትካል ገሊፁ።

ይኹን እንበር ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ከባቢ ፍርቂ ህዝባ ብፍላይ ኣብ ገፀር ዝነብር ህዝቢ ተረባሒ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዘይኮነ ሓቢሩ።

በዚ ድማ መሰረታዊ  ማሕበራዊን ኢኮኖሚን ባህጊ ብዙሓት ሰባት ብዘይምምልኡ ኩነታት ድኽነት ንክብእስ ከምዝገብር ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ልምዓት ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2025 ንዝተትሓዘ ሸቶ ኣቕርቦት ኤሌክትሪክ ዝውዕል ናይ 500 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ልቓሕ ምፅዳቑ ነቲ ዝተገለፀ ፀገም ኣብ ምቕራፍ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.