Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ትገብሮ ፃዕሪ ዝኸውን 82 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ትገብሮ ፃዕሪ ዝኸውን 82 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ገይሩ።

ኢትዮጵያ ዝርገሐ ናይ̕ቲ ቫይረስ ብምቁፅፃር ኣብ ሓፂር እዋን እግሪ ንኽትተክል ኣብ ዘኽእሉዋ ዓውዲታት ዝውዕል ሓገዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ገንዘባዊ ሓገዝ፥ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዘኽእሉ ኣፋውስንን ኣቑሑት ሕክምናን፣ ከም ብሓዱሽ ንዝጣየሻ ማእኸላት ሕክምናን ፈሊኻ መፅንሒን፣ ንማእኸላት ፃውዒት ስልኪን ሓበሬታ ናብ ሕብረተሰብ ንምብፃሕ ዝግበሩ ስራሕቲን ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

ቦርድ ዳይሬክተራት እቲ ባንኪ ንህፁፅ እዋን ሓገዝ ብዝብል ዘፅደቖ ሓገዝ ፋይናንስ፥ ካብ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ንህንዲ ሓደ ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ፣ ንፓኪስታን 200 ሚሊየን ዶላር ከምኡ እውን ንኻልኦት ሃገራት ገንዘባዊ ሓገዝ ገይሩ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.