Fana: At a Speed of Life!

ባንግላድሽ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ን18 ኣዋርሕ ዝዓፀወቶም ኣቢያተ ትምህርቲ ዳግም ከፊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ባንግላድሽ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ን18 ኣዋርሕ ዝዓፀወቶም ኣቢያተ ትምህርቲ ዳግም ከምዝኸፈተት ተገሊፁ።

እተን ን1 ዓመትን 6 ወርሒን ተዓፂየን ዝነበራ ኣቢያተ ትምህርቲ ዳገም ተኸፊተን ዘለዋ፥ ዝርገሐ እቲ ለበዳ ቫይረስ እናነከየ ስለዝመፅአ ከምዝኾነን ሰባት ክታበት ስለዝወሰዱን ኢዩ ተባሂሉ።

ብዙሓት ኣቢያተ ትምህርቲ እውን ንተምሃሮአን ምዑዛት ምግብታትን ዕምበባታትን እናሃባ ኣቀባብላ ገይረናሎም።

ዩኒሴፍ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ፥ ኣቢያተ ትምህርቲ ንነዊሕ እዋን ምዕፃው ኣብ ደቡብ እስያ ንዝርከቡ ልዕሊ 430 ሚሊየን ህፃናት ክጎድእ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ፀብፃብ ኣልጀዚራ ድማ ኣብታ ሃገር ጥቡቕ ክትትል ኮቪድ 19 ብምግባር ስራሕቲ ትምህርቲ ካብ 1ይ ክሳብ 4ይ ክፍሊ፤ ከምኡ እውን ካብ 6ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ዘለዉ ተምሃሮ ንመጀመርታ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ሰሙን ሓደ መዓልቲ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ኢዮም።

6ይ 10ይን መበል 12 ክፍሊን ተምሃሮ ድማ ብሄራዊ ፈተና ስለዝፍተኑ ትምህርቶም በቢመዓልቱ ክከታተሉ ኢዮም ክብል ሚኒስቴር ትምህርቲ ባንግላዲሽ ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.