Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ህፁፅ ኣኼብኡ ፅባሕ ከሳልጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ መበል ሳልሳይ ህፁፅ ኣኼብኡ ፅባሕ ከሳልጥ ኢዩ።

ቤት ፅሕፈት እቲ ቤት ምኽሪ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ከምዝበሎ፥ እቲ ባይቶ ኣብ ክልተ ኣጀንዳታት ብምድሃብ ክዛተ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ መበል ሓምሻይ ዓመት ዘመን ስራሕ ካልኣይ ህፁፅ ኣኼብኡ ብዝምልከት ዝነበረ ኣጀንዳ መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ሚኒስቴር ጥዕና ሃገራዊ ኩነታት ለበዳ ኮቪድ-19 ብዝምልከት ዘቕርቦ ምላሽን ቀፀልቲ ዘድሊዩ ስጉምቲታትን ብዝምልከት ዝቐርብ ፀብፃብ ብምዝታይ ውሳነ ከሕልፍ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እቲ ባይቶ ዕለተ ሰኑይ 11 መስከረም 2013 ዓ.ም ህፁፅ ኣኼባ ከምዝገብር እውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.