Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንመላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና በዓል መውሊድ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንካዕ ኣብ ፀሐኩም ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ንመላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ንመበል 1496 በዓል መውሊድ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንካዕ ኣብ ፀሐኩም ኣመሓላሊፉ።

እቲ ባይቶ ኣብ መልእኽቱ፥ ህዝበ ሙስሊም ኣብ ሉኣላውነትን ሓድነትን ሃገርን እናርአዮ ዝርከብ ቆራፅነትን እናገበሮ ዝርከብ ኩለመዳይ ሓገዝን ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ፀዊዑ።

እቲ ባይቶ ንግዜኢ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ህዝበ ሙስሊም በዓል መውሊድ እንተኽብር ኣስተምህሮታትን መገዲን ነቢይ መሓመድ ብምኽታል ዝሰኣኑንን ዝተፀገሙን ወገናት ብምሕጋዝ ክኸውን ይግባእ ኢሉ።

ኢትዮጵያ ዝማዕበለትን ሓቀኛ ዴሞክራሲ ዝትግበረላን ንኽትከውን፥ ኩሉ ብዘለዎ ዘፈር ናይ ባዕሉ ግደ ክዋፃእ ከምዝግባእ እቲ ባይቶ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.