Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብዚ ዓመት 58 ረቀቕቲ ኣዋጃት ከምዘፅደቐ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ፍሉይ ኣኼብኡ ኣብዚ ዓመት 58 ረቀቕቲ ኣዋጃት ከምዘፅደቐ ኣፍሊጡ።

እቲ ባይቶ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ብዝምልከት ናብ ኣባላቱ ኣብ ዘቕረቦ ፀብፃብ፥ ምስ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብምዃን ምስዘፅደቖ ሓደ ውሳነ ብሓፈሻ 12 ውሳነ ሓሳባት ከምዘፅደቐ ተሓቢሩ።

ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ልዑል ፅዕንቶ ከምዝነበሮ እውን ኣብቲ ፀብፃብ ተገሊፁ።

እቲ ባይቶ ንበጀት ዓመት 2012 ዝኸውን መሪሕ ትልሚ ብምድላው ናብ ተግባር ኣቲዩ ነይሩ።

ብመሰረት እዚ ስራሕቲታት ሪፎርም ናይ ምትግባር፣ ስርዓት ኣወፃፅኣ ሕጊ ናይ ምጉልባት፣ ስርዓት ክትትልን ቁፅፅርን ናይ ምጥንኻርን ተበፃሕነት ሕጊ ንምጥንኻር ዝሕግዙ ምድላው ቻናል ቴሌቪዥን፣ ምምዕባል መርበብ ሓበሬታን ፃውዒት ነፃ ስልኪ ናይ ምድላውን ስራሕቲ ከምዝፈፀመ ተገሊፁ።

ይኹን እንበር ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ልዑል ፅዕንቶ ከምዝነበሮ ተገሊፁ።

እቲ ባይቶ ኣብዚ ዓመት 58 ረቀቕቲ ኣዋጃት ዘፅደቐ እንትኸውን፥ ኣብ 12 ውሳነ ሓሳባት ውሳነ ከምዝሃበ ድማ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ምስ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብምዃን ሓደ ውሳነ ሓሳብ ከምዘፅደቐ ተገሊፁ።

ካብቶም ዝፀደቑ ኣዋጃት፥ ምውዛዕ ፅልኣት ዘረባን ሓሶት መረዳእታን ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝወፅአ ኣዋጅ፣ ዝውውር መሳርሒ ኣፅዋር ኲናት ንምቁፅፃር ዝወፅአ ኣዋጅን ኤክሳይዝ ታክስ ብዝምልከት ዝወፅአ ኣዋጅን ቢቢመድረኹ ዝምልከቶም ኣካላት ብምስታፍ እኹል ዘተ ብምግባር ክፀድቁ ተገይሩ ኢዩ ተባሂሉ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ጋንታዊ ኣተሓሳስባ ብምሓዝ ዓመታዊ ትልሚታት ኣብ ምፍፃም፣ ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ኣብ ምክልኻል እቲ ባይቶ ሓላፍነቱ ኣብ ምውፃእን ፀብፃብ መደባት 9 ኣዋርሕ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ ብምግምጋም ዝተውሃበ ግብረ መልሲን ብጥንካረ ተራእዩ ኣሎ።

ብኻሊእ መዳይ ድማ ትልሚታት፣ ፀብፃባት፣ ረቂቕ ኣዋጃትን ዝተፈላለዩ ሰነዳትን ኣንቢብካ ኣብ ምድላው ሕፅረታት ከምዝነበሩ ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተሳለጠ መድረኽ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ምቁፅፃርን ምክትታልን ኣፈፃፅማን ተግባራትን ንመንግስታዊ ትካላት ዝተውሃቡ ግብረ መልሲታት ብዝምልከት ክፍተታት ከምዝነበሩዎ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.