Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ ተርኪን ዝተገበሩ ወተሃደራዊ ስምምዓት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ ተርኪን ዝተገበሩ ወተሃደራዊ ስምምዓት ኣፅዲቑ።

እቲ ባይቶ ኣብ ዘካየዶ መበል ሻውዓይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ መንጎ ጅክልቲአን ሃገራት ዝተገበረ ወተሃደራዊ ስምምዓት፣ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ፋይናንስን ደገፍ ፋይናንስን መፈፀሚ ፕሮቶኮል ብምምርማር ኢዩ ኣፅዲቑ።

ኢትዮጵያ ተርኪን ወተሃደራዊ መትሕብባር ንምግባር ዘኽእለን ማዕቐፍ 12 ነሓሰ 2013 ዓ.ም ኣብ ኣንካራ ምፍርራመን ይዝከር።

እቲ ስምምዕነት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዓውዲ ምክልኻል ዝግበር ርክብ ዝምረሐሉ ግልፂ ማዕቐፍ ንምቕራፅ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ኣዋጅ ኣብ ኢንዱስትሪ መክልኻል፣ ሓበሬታ ልውውጥ፣ ሎጂስቴክስ፣ ኣገልግሎት ጥዕና፣ ስርዓት ሓበሬታን ምክልኻል መጥቃዕቲ ሳይበርንን ካልኦተን ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽእሉ ድንጋገታት ዘካተተ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ናይ ሰብ ሞያ፣ ናውቲ፣ ሓበሬታን ልምዲን ልውውጥ በቲ ስምምዕነት ተግባራዊ ከምዝግበሩ ተገሊፁ ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ብተወሳኺ ብትምህርቲን ስልጠናን ብተናፀል ወይ ሓባር ኣብ ዝዳለዉ ወታደራዊ ልምምዳት መክፋል ዘኽእል ኢዩ።

ብኻሊእ መዳይ እቲ ባይቶ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ፈንዲ ልምዓት ግብርናን ንፋይናንስ ገፀር ሰርዓት መመሓየሺ መርሃ ግብሪ ንምፍፃም ዝግበር ስምምዕነት ልቓሕ ብ3 ተቓውሞ 8 ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ደመፂ ኣፅዲቑ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.