Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣዋጅ ንግዲ ሕጊ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣዋጅ ንግዲ ሕጊ ኣፅዲቑ።

እቲ ኣዋጅ ን62 ዓመታት ኣብ ስራሕ ዝነበረ እንትኸውን፥ ካብ 1979 ዓ.ም ጀሚሩ እናተመሓየሸ ዝመፅአ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ ኣዋጅ ዝነበሩ 825 ዓንቀፃት ከምዝተመሓየሹ ተገሊፁ።

እቲ ሓዱሽ ኣዋጅ እዋኑ ዘገናዘበን ቴክኖሎጂ እውን ተሓሳቢ ዝገበረን እንትኸውን፥ ንቐፃሊ 30 ዓመታት ከምዘገልግል ተሓቢሩ።

ኣብቲ ኣዋጅ ብሓደ ሰብ ዝምራሕ ሐብረት ስራሕ ማሕበር ዝፈቅድ ኢዩ።

ኣብ ስርዓት ንግዲ ንምስታፍ ዝደሊ ኣካል ሓፂርን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ኣወፃፅኣ ፍቓድ ንግዲ ንክረክብ እቲ ኣዋጅ ከምዘገድድ እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.