Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ፌዴሪኢ ረቂቕ በጀት ዓመተ 2013 ልዕሊ 476 ቢሊየን ብር ንክኸውን ውሳነ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 84 ስሩዕ ኣኼብኡ ረቂቕ በጀት 2013  ዓ.ም 476 ቢሊየንን 12 ሚሊየንን 952 ሺሕን 445 ብር ንክኸውን ውሳነ ሂቡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼባ፥ ኣብ 2013 ዓ.ም ንዝሳለጡ ስራሕቲን ኣገልግሎትን ዝውዕል ንስሩዕን ወፃኢታትን መንግስቲ ፌዴራል 133 ቢሊየንን 321 ሚሊየንን 561 ሺሕን 63 ብር፣ ንካፒታል በጀት 160 ቢሊየንን 329 ሚሊየንን 788 ሺሕን 483 ብር፣ ንክልላት ዝወሃብ ድጋፍ 176 ቢሊየንን 361 ሚሊየንን 602 ሺሕን 899 ብር፣ ንድጋፍ መፈፀሚ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት 6 ቢሊየን ብር ብድምር 476 ቢሊየንን 12 ሚሊየንን 952 ሺሕን 445 ብር ንክኸውን ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ በጀት ድሕሪ ምዝታይ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክፀድቕ ውሳነ ሂቡ።

ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ንምክልካልን ንምቁፅፃርን ዓሊሙ ኣብ ዝወፅአ ደንቢ መፈፀሚ ጉዳያት ኢኮኖሚ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ብዝምልከት እውን ዝተዛተየ እንትኸውን፥ ሚኒስቴር ገንዘብ ካብ ሓምለ 2007 ዓ.ም ክሳብ መጋቢት 2012 ዓ.ም ኣብ ዘይተኸፈለ መዋጮ ጡረታ ወልቀ ትካላት ክኽፈል ዝግባእ ቅፅዓትን ወለድን ሙሉእ ብሙሉእ ንክለዓል፤ ዘድሊ ዕዳ እንተኸፊሎም ብምኽኒያት ዕዳ ዝተትሓዘ ንብረት ነቶም ትካላት ንክምለስ ዘኽእል ስጉምቲ ምውሳድ ኣድላዪ ምዃኑ ዘርእይ ረቂቕ ደንቢ ንውሳነ ኣቕሪቡ።

እቲ ረቂቕ ብምኽኒያት እቲ ሕማም ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ንምቕናስ ዝዓለመ ኢዩ።

ስለዝኾነ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ ድሕሪ ምዝታይ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ወሲኑ።

ካብዚ ሓሊፉ ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ንምክልካልን ንምቁፅፃርን ዓሊሙ ዝወፅአ ደንቢን መምርሒን ኣብ ምኽባር ጥሕሰታት ትራፊክ እንተጋጥሙ ዝወሃቡ ምምሕዳራዊ ቅፅዓታት ንምውሳን ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ ብሳልሳይ ደረጃ ዘተ ዝተገበረሉ ኢዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ውሱናት ምምሕያሻት ብምግባር ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ወሲኑ ኣሎ።

ኣንበጣ ንምክልኻልን ንምቁፅፅርን ዓሊሙ ካብ ወለድ ነፃ ዝኾነ ካብ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ዝተረኸበ ልቓሕ ብዝምልከት ዝቐረበ ሰነድ ስምምዕነት እውን ብምዝታይ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክፀድቕ ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ከምዝመርሐ ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.