Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት በጀል ዓመት 2016 ዓ.ም ብር 801 ነጥቢ 65 ቢሊየን ንክኸውን ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘሳለጦ መበል 21 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ባጀት 2016 ዓ.ም መንግስቲ ፌዴራል ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ባጀት ሸቶታት መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ተሓሳቢ ዝገበረ፣ ድሕንነት ሃገር ኣብ ምሕላው፣ ብሰብ ስራሕ ይኹን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ምሕጋዝ፣ ኣብ እዋን ምኽባር ሕጊ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ኣብ ምፅጋን ተሓሳቢ ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ኣብ ቀፃሊ ክህሉ ዝኽእል ዕላማታትን ኣንፈታትን ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ትራንስፎርሜሽን ኣብ ምዕዋት ዝተርኣየ ከምዝኾነን ካብ 2016 ክሳብ 2020 ዝህሉ ናይ ማክሮ ኢኮኖሚን ፊሲካል ማዕቐፍን መሰረት ብምግባር ተሰናዲኡ ዝቐረበ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ንፌዴራል መንግስቲ ስሩዕ ወፃኢታት ብር 369 ነጥቢ 6 ቢሊየን፣ ንካፒታል ወፃኢታት ብር 203 ነጥቢ 9 ቢሊየን፣ ንክልላት ዝወሃብ ደገፍ ብር 214 ነጥቢ 07 ቢሊየን፣ ንደገፍ መፈፀሚ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ብር 14 ቢሊየን ብድምር ብር 801 ነጥቢ 65 ቢሊየን ብምዃን ናብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ እታዎታት ብምውሳኽ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክተሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.