Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘካየዶ መበል 78 ስሩዕ ኣኼቡኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ተዛትዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘካየዶ መበል 78 ስሩዕ ኣኼቡኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ተዛትዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ውሳነ ዘመሓላለፈሎም ጉዳያት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቦም ኣለዉ፦

1. እቲ ቤት ምኽሪ ኣቐዲሙ ዝተዛተየሉ ዛዕባ፥ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሕጋዊ ሰውነት ንመሃብ ኣብ ዝተዳለወ ረቂቕ ኣዋጅ ኢዩ። ብመሰረት እዚ፥ ኣብቲ ዝተዳለወ ረቂቕ ኣዋጅ ብዕምቆት ብምዝታይ ሕጋዊ ሰውነት ንኽወሃቦ ብሙሉእ ድምፂ ብምውሳን እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተመሓላሊፉ ንኽፀድቕ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

2. ካብዚ ብምቕፃል ድማ ኣብ ረቂቕ ደምቢ መጣየሺ ማእኸል ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ምርምርን ልምዓትን ኢዩ ተዛትዩ። ሃገራዊ ረብሓታት ንምሕላው ዘኽእሉ ብምርምር፣ ልምዓትን ተግባርን ዝተመስረቱ ግልጋሎታት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ፍርያታትን መፍትሒ ንምሃብን ማእኸል ምርምር ምጥያሽን ኣድላዪ ስለዝኾነን ኣብ ጉዳይ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ንዝሰርሑ ጀመርቲ መፍረይቲ ምዕሩይ ኣጋጣሚ ምፍጣር ዘኽእል ረቂቕ ደምቢ ቀሪቡ።

እቲ ቤት ምኽሪ በቲ ዝቐረበ ደምቢ ድሕሪ ምዝታይ፥ እቲ ደምቢ ብነጋሪት ጋዜጣ ንኸወፅእን ኣብ ስራሕ ንኽውዕልን ወሲኑ ኣሎ።

3. ሲቪል ኣቪዬሽን ንምምሕያሽ ዝተዳለወ ረቂቕ ኣዋጅ ዝምልከት ካሊእ በቲ ቤት ምኽሪ ዝተርኣየ ጉዳይ ኢዩ።

እቲ ነባር መፈፀሚ ኣዋጅ ኣብ ተግባር ኣብ ዝፀንሐሎም ዓመታት ብሕጊ ዘይተሸፈኑ ሓደሽቲ ኣተሓሳስባታትን ስርዓታት ቁፅፅርን ስለዘለዉ፣ ውዳበ ሃፍቲ ሰብን ተለዋዋጢ ድሌት ዓቕሚን ብምህላዉ፣ ብፍላይ ድማ ብመንፅር ፍሉይ ባህሪ ስራሕ ናይቲ ዓውዲ፤ ዘፈር ኣቪዬሽን ንምምራሕን ንምቁፅፃርን፣ድሕንነት በረራ ንምርግጋፅን ስግኣት ሓደጋ ንምቕናስን ዓለም ለኸ ትካል ኣቪዬሽን በቢግዚኡ ዘውፀኦም ምክረ ሓሳባት፣ ደረጃታትን ምስ ተግባራዊነት ኣሰራርሓታት ተተሓሒዙ ክፍተታት ብምፍጣሮም ነቶም ክፍተታት ብዝመልእን ኣብ ቀፃሊ ምዕባለ እቲ ኢንዱስትሪ ብዘላቒነት ንምሕጋዝ ሚኒስቴር ትራንስፖርት ረቂቕ ኣዋጅ ኣዳሊዩ ንቤት ምኽሪ ሚኒስራት ኣቕሪቡ ኢዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ብግድኡ በቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብዕምቆት ብምዝታይ ዝተወሰኑ መመሓየሺታት ብምውሳኽ ንብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክመሓላለፍ ወሲኑ።

4. እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ረቂቕ ስትራቴጂ ሃገር ለኸ ዝተዋደደ ምክልኻል ገበን ተዛትዩ ዝተወሰኑ መመሓየሺታት ብምውሳኽ እቲ ስትራቴጂ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

5. ኣብ መጣየሺ ረቂቕ ኮርፖሬሽን ኢንጅነሪንግ ምክልኻል ሃገር ብዝምልከት ተዛትዩ እቲ ረቂቕ ብነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ወሲኑ ኣሎ።

6. ኣብ መወዳእታ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ኣመሓዳድራን ኣጠቓቕማን ዕቀባ ሓመድን ማይን ማሕበረሰብ ብዝምልከት ዘተ ተኸይዱ ኢዩ። ምምንማን ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ምምዕባል ሃፍቲ ማይን ሙቐት ዝሕዙ ጋዛት ብምቕናስ ዓቕሚ መፍረያይነት መሬት ተሓሊዩ ንዝቕፅል ወለዶ ንኸመሓላለፍ፣ መፍረያይነት ሓረስቶት ኽውስኽ ብምግባር ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ምዕሩይ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ንኽህሉን፥ ቅድም ክብል ዝተጀመሩ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ብቐፃሊነት ክስርሑ ስለዘድሊ ረቂቕ ኣዋጅ ኣመሓዳድራን ኣጠቓቕማን ዕቀባ ሓመድን ማይን ማሕበረሰብ ብሚኒስቴር ሕርሻ ተዳሊዩ ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ንኽውሰነሉ ቀሪቡ ኢዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ብግድኡ፥ በቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታይ ዝተወሰኑ መስተኻኸሊታት ብምግባር ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተመሓላሊፉ ንኽፀድቕ ወሲኑ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.