Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ትማሊ ኣብ ዘካሳለጦ መበል 89 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ “ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ግሩፕ” ንምጥያሽ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ ብቐዳምነት ዝተዛተየ እንትኸውን፥ ቅድመ ሐዚ ኣብ ትሕቲ ኮርፖሬሽን ኢንጂነሪንግ ሓፂነ መፂን ዝነበሩን ኣብ ዓውዲታት ሓፂነ መፂን፣ ኣውቶሞቲቭ፣ ምፍራይ መሳርሒታት ሕርሻ፣ ኤሌክትሪክን ኤሌክትሮኒክስን፣ ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ፕላንትን ከምኡውን ፍሪያታት ፖሊመር ዝተዋፈሩ ትካላት ኣብ ትሕቲ ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ብምውዳብ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ውፅኢታዊ ንምግባርን ናብ መኽሰብ ንምሽግጋርን ዘኽእል ረቂቕ ኢዩ።

ስለዝኾነ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ዝቐረበ ረቂቕ ድሕሪ ምዝታይ ዝተውሃቡ እታዎታት ተኻቲቶም ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ብምሕታም ኣብ ስራሕ ንክውዕል ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ሓይሊ ኒውክሌር ንሰለማዊ ዕላማ ንምጥቃም ዝተገበረ ስምምዕነት መፅዲቒ ረቂቕ ኣዋጅ ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ብመሰረት እዚ ክልቲአን ሃገራት ቅድድም መሳርሒታት ኒውክሌር 1968 ዝኽልክል ዓለም ለኻዊ ስምምዕነትን ምስ ዓለም ለኻዊ ኤጄንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ ዝተገበረ ስምምዕነት ብዘኽበረ መልክዑ ሓይሊ ኒውክሌር ንረብሓ ሰለማዊ ዕላማ ምውዓለን ኣብ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ምዕባለ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ዘለዎ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ስለዚ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ዝቐረበ ረቂቕ ድሕሪ ምዝታይ ንክፀድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ መሪሑዎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.