Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝገበሮ ስሩዕ ኣኼባ ዝተፈላለዩ ውሰነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝገበሮ መበል 95 ስሩዕ ኣኼባ ዝተፈላለዩ ውሰነታት ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ፅዕንቶ ልቓሕ ዘለወን ትካላት ልምዓት መንግስቲ ካብቲ ዕዳ ንምልቓቕ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ፣ ኮርፖሬሽን ምምሕዳር ሃፍትን ዕዳን ንምጥያሽ ኣብ ዝወፅአ ረቂቕ ደንቢ ተዛቲዩ።

ኣብዛ ሃገር ፈጣን፣ ቀፃልነት ዘለዎን መሰረተ ሰፊሕን ዝኾነ ምንቅስቓስ ልምዓት ንክህሉ ቅድሚ ዓመታት  ካብ ዝተጀመሩ ሜጋ ፕሮጀክትታት እቶም ኣብዝሓ እኹል ምድላው ከይተገበረሎም፣ ብዙሕ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገም ዘለዎም፣ ብቕዓት ብዘለዎ ኣመራርሓ ዘይተመርሑን ካልኦት ናይ ምምሕዳር ፀገም ዝነበሮምን ብምዃኖም በዓል ዋነ እቲ ፕርጀክት ዝኾኑ ትካላት ፕሮጀክት መንግስቲ ካብ ውሽጢን ወፃኢን ዓዲ ብልቓሕ ዝወሰደዎ ገንዘብ ምኽፋል ኣይከኣሉን።

ብመሰረት እዚ እተን ትካላት ልምዓት ካብ ፅፅንቶ ልቓሕ ንምልቓቕን ውፅኢታዊ ኮይነን ንምቕፃልን ኣብ እቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብምዝታይ እታዎታት ብምውሳኽ እቲ ቤት ምኽሪ ኣፅዲቑ።

ብተወሳኺ ተፈሊዮም ዝወሃቡ ልቓሓት ትካላት ልምዓት ዘመሓድር ከምኡውን ብመፅናዕቲ ዝተፈለዩ ዓውዲታት ልምዓት ኢንቨስትመንት ዘዋፍር ከምእውን ውፅኢታዊ ስርዓት ምምሕዳር ሃፍቲን ዕዳን ምዝርጋሕ ዘኽእል ኮርፖሬሽን ዘጣይሽ ደንቢ ብምዝታይ ብምፅዳቕ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ብመሕታም ኣብ ስራሕ ንክውዕል ተወሲኑ።

ብምቕፃል ምስ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ዝተገበ ንፕሮጀክት ልምዓት ኢንተርፕሪነርሽፕ ንደቂ ኣኒስትዮ መፈፀሚ ዝውዕል ስምምዕነት ልቓሕ ንምፃዳቕ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ተዛቲዩ።

እቲ ስምምዕነት ልቓሕ ናይ 100 ሚሊየን ዶለር ኣሜሪካ እንትኸውን፥ ካብ ወለድ ነፃ፣ ናይ 6 ዓመት ናይ እፎእታ ጊዘ፣ ኣብ 38 ዓመተተ ተኸፊሉ ዝውዳእን ምስ ስትራቴጂ ምምሕዳር ልቓሕ ሃገርና ዝጠዓዓምን ከምዝኾነ ብምርግጋፅ እቲ ኣዋጅ ንክፀድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክመሓላለፍ ተወሲኑ።

ብተወሳኺ ምስ ዳስኬን ባንኪ ንመፈፀሚ መሰረተ ልምዓትን ፕሮጀክት ህንፀት ዓቕሚ ትንበያን ሜቲዎሮሎጂ  ዝውዕል ስምምዕነት ልቓሕ 8 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዩሮ ብምዝታይ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክፀድቕ ናብቲ ባይቶ ተመሓላሊፉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.