Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንበጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ዝኸውን 61 ቢሊየን ብር ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንበጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ዝኸውን 61 ቢሊየን ብር ሎሚ መዓልቲ ኣፅዲቑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ንተኸታተልቲ ክልተ መዓልታት ከሳለጦ ዝፀንሐ መበል ሻውዓይ ዓመት ሳልሳይ ስሩዕ ጉባኤኡ ዓመታዊ በጀትን ሹመታትን ብምፅዳቕ ዛዚሙ።

ብመሰረት እዚ ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕልኡ ኣብ 2013 ዓ.ም ንስሩዕን ካፒታልን በጀት ዝኸውን 61 ቢሊየን ብር ኣፅዲቑ ኣሎ።

ብተወሳኺ ብምክትል ከንቲባ እታ ከተማ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ዝቐረቡ ክልተ ሹመታት ብምዝታይ ኣፅዲቑ።

ብመሰረት እዚ  ወይዘሪት ፋይዛ መሓመድ  ሓላፊት ቢሮ ባህሊ፣ ቱሪዝምን ኪነ ጥበብን ብምዃን ተሸይመን።

ወይዘሪት ሓዳስ ኪዱ  ሓላፊት ቢሮ ደቂ ኣኒስቲዮን ህፃናትን ብምዃን ንክሰርሓ ዝቐረበ ሹመት እውን ፀዲቑ።

እተን ሓደሽቲ ተሸወምቲ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪበን ቃለ ማሕላ ፈፂመን ኢየን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.