Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣዋጅ ምምሕያሽ ኣወዳድባ ወረዳን ጣቢያን ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ሓምሻይ ዘበን ስራሕ መበል ዓስራይ ስሩዕ ጉባኤኡ ጉሙዝ ኣዋጅ ምምሕያሽ ኣወዳድባ ወረዳን ጣቢያን ኣፅዲቑ።

ብተወሳኺ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ አሻድሊ ሃሰን ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብዝምልከት ናብቲ ቤት ምኽሪ ኣቕሪቦም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ዘቕረብዎ ፀብፃብ፥ ኣብቲ ክልል ንሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ትኹረት ብምግባር ብዝተሰርሐ ስራሕ ኣንፃራዊ ምርግጋዕ ከምዝተርኣየ ኣብሪሆም።

ምስ ጎረባብቲ ክልላት ሓልሓሊፎም ዝርኣዩ ዝነበሩ ዘይምርድዳኣት ብዕርቅን ብይቕረ ይቕረን ክፍትሑ ከምዝተገበረ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ዞባ መተከል ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ክምለሱን ብዘላቕነት እግሪ ንምትካልን ዓሊሙ ብትኹረት ይስራሕ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።

ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ፥ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ካልኣይ ብርኪ ዘለዉ 312 ሺሕን 396 ተምሃሮ ስሩዕ ትምህርቶም ይከታተሉ ከምዘለዉ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.