Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ክልል ጋምቤላ ንበጀት ዓመት 2013 ዝኸውን ልዕሊ 3 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ጋምቤላ ንበጀት ዓመት 2013 ዝኸውን ልዕሊ 3 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ኣፅዲቑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘሳለጦ መበል ሓምሻይ ዘበን ስራሕ ዓስራይ ስሩዕ ጉባኤኡ ዝተፈላለዩ ኣዋጃትን ሹመታትን እውን ኣፅዲቑ።

ብተወሳኺ ንበጀት ዓመት 2013 ዝኸውን 3 ቢሊየንን 377 ሚሊየንን 653 ሺህን 415 ብር ኣፅዲቑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ጉባኤ ዓመታዊ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን ፀብፃብ ኦዲት ቤት ዕዮ ዋና ኦዲተርን እቲ ክልል ብምርኣይ ኣፅዲቑ።

ብተወሳኺ ሹመት ሓሙሽተ ኣባላት ካቢኔ እቲ ክልል ከምዘፅደቐ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.