Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮፓ ብግዚያውነት ዘደናጎዮ ንኢትዮጵያ ዝወሃብ ሓገዝ ልምዓት ብዝምልከት ክዛተ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮፓ ብግዚያውነት ዘደናጎዮ ንኢትዮጵያ ዝወሃብ ሓገዝ ልምዓት ብዝምልከት ኣብ ቃሊ ወርሒ ንምዝታይ ምእንፋቱ ተወካሊ ሰብኣዊ መሰል እቲ ሕብረት ኢሞን ግሊሞር ተዛሪቦም።

ኢሞን ግሊሞር፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ንምርኣይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ገይሮም።

ኣብ እወን እቲ ዑደት፣ ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ከምዝተዛተዩ ሓቢሮም።

ኣብ ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ምስ ዝሰርሑ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊት ትካላት፣ ትካላት ረድኤት፣ ፓርቲታት ፖለቲካ ከምዝተዘራረቡ እውን ገሊፆም።

ምስቶም ኣካላት ዝተገበረ ዘተ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ እውን ሓቢሮም።

ንሰብኣዊ ደገፍ ክበሃል መንግስቲ ዝገበሮ ውሳነ ደው ምባል ተዂሲ እቲ ሕብረት ብእወንታ ከምዝርእዮ ገሊፆም።

ሰብኣዊ ደገፍ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ዘለዎም እምነት ተዛሪቦም።

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ቅልውላው ንዘጋጠሞም ክፋላት ሕብረተሰብ ዘቕርቦ ሰብኣዊ ደገፍ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ብምግላፅ፥ ነዚ ሙሉእ ፍቓደኛ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ሸነኽ ሰሜን እዛ ሃገር ዘጋጠመ ኲናት ስዒቡ ንኢትዮጵያ ዘቕርቦ ደገፍ ልምዓት ገንዘብ ሓዊሱ በግዚያውነት ምድንጓዩ ብምሕባር፥ እቲ ጉዳይ ይፅናዕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ቤት ምኽሪ ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮፓ እውን ብግዚያውነት ዘደናጎዮ ንኢትዮጵያ ዝወሃብ ሓገዝ ልምዓት ብዝምልከት ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ክዛተ ኢዩ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.