Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሚኒስቴር ሰላምን ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉዎም ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሚኒስቴር ሰላምን ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉዎም ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ኣይተ ኣደም ፋራሕ፥ ናይ ሓባር መፍትሒ ዝደሊዩ ዛዕባታት ናብ ክልቲኦም ትካላት ከምዝመፅኡ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ተተሓሓዝ ፀገማት ብዕምቆት ብምርኣይን ብምፍላይን ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ ዝገለፁ እቶም ኣፈ ጉባኤ፥ ሕድሕዶም ብሕገ-መንግስቲን ብኣዋጅን ዝተውሃቦም ሓላፍነት ብምርዳእ ምትሕውዋስ ሓላፍነት እንተይፈጠርካ ሓላፍነት ምውፃእ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ብግደአን፥ ናይ ሓባር ውሳነ ዝደሊዩ ብዙሓት ቅሬታታት ናብ ቤት ዕዮአን ከምዝመፅኡ ገሊፀን።

ናይ ሓባር ተግባራት ብመፅናዕቲ ተፈሊዮም ብምውዳድን ብምትሕብባርን እንተተሰሪሖም ዝሐሸ ውፅኢት ክመጽእ ከምዝኽእል እውን ኣገንዚበን።

ብመንፅ እዚ ነዚ ኣሰራርሓ ንምስላጥ ዝሕግዝ ስትራቴጂ እናተሰርሐ እንትኸውን፥ ህንፀት እቲ ስትራቴጂ ብሕገ-መንግስቲ ንክልቲኦም ትካላት ዝተውሃበ ስልጣንን ተግባርን ብኣግባቡ ንምክታት ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ተገሊፁ።

ናይ ሓባር ኮሚቴ ተጣይሹ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ፀብፃብ ከቕርብ ከምዝተወሰነ እውን ካብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ዘተ ክልቲኦም ትካላት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንዝለዓሉ ዘይምስዕማዓትን ጎንፂታትን መበገሲ ብምግባር ዝለዓሉ ጉዳያት ንምክልኻልን ቅልጡፍ መፍትሒ ንመሃብን ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.