Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሃገር ለኸ ተርጎምቲ ሕጊ መድረኽ ርክብ ንኽጠናኸር ሓገዙ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ለኸ መድረኽ ርክብ ተርጎምቲ ሕጊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ብኣተሓባባርነት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፕሬዚዳንታት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራልን ክልልን ዝተሳተፉሉ መድረኽ፥ ኣብ ዛዕባ ኣዋጅ ርክብ መንግስታት ኣድሂቡ ልዝብ ይግበር ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ርክብ መንግስታት ግቡእነት፣ ኣድላይነትን ረብሓን ዝምልከት ገለፃ ተገይሩ ኢዩ።

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሃገር ለኸ መድረኽ ርክብ ተርጎምቲ ሕጊ ንኽጠናኸር ሓገዙ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ብዝቐረበ መዛተዪ ሰነድ ርእይቶታትን ሕቶታትን ቀሪቦም ምይይጥ ከምዝግበረሎም ካብቲ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.