Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ መበል 11 ክልል ብምዃን ንክውደብ ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፤ 20 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ መበል 11 ክልል ብምዃን ንክውደብ ወሲኑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል ሻድሻይ ዘበን ስራሕ ቀዳማይ ዓመት ጊዘ ስራሕ ቀዳማይ ህፁፅ ኣኼባ፥ ህዝበ ውሳነ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ መርሚሩ ኣፅዲቑ።

ኣካቢት ብሄራዊ ምርጫ ቦርድ ብርቱካን ሚደቅሳ ሪፖርት ድሕሪ ምቕራበንን ናይ ማንነት፣ ምምሕዳርን  ወሰንን ናይ ሰላም ህንፀት  ቋሚ ኮሚቴ ነቲ ቤት ምኽሪ ውሳነ ሓሳብ ድሕሪ ምቕራቡን ኢዩ እቲ ውሳነ ኣፅዲቑ።
ብመሰረት እዝ እቲ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ድሕሪ ምዝታዩ፥ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ መበል 11 ክልል ብምዃን ንክውደብ ብምሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝርከባ 5 ዞባታትን ሓደ ወረዳን ባዕለን ክኢለን ብክልልነት ንምውዳብ 20 መስከረም 2014 ዓ.ም ህዝበ ውሳነ ምክያደን ይፍለጥ።

ኣብቲ ህዝበ ውሳነ ሓደ ናይ ሓባር ክልል ንክህልዎም ብምድጋፍ 1 ሚሊየንን 221 ሺሕን 92 ድምፂ ሂቦም ኢዮም።

ብአንጻሩ ናይ ደቡብ ብሔር ብሔረሰባትን ህዝብታትን ክልል ኣካል ብምኻን ንምቕፃል ብምድጋፍ  24 ሺሕን 24 ድምፂ ምሃቦም ይፍለጥ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.