Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን 6 ዞባታትን 5 ፍሉያት ወረዳታትን ክልል ደቡብ ዘቕረብኡ ሕቶ ሓበራዊ ምምስራት ክልል ብዝምልከት ይዛተ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን 6 ዞባታትን 5 ፍሉያት ወረዳታትን ብሄር ብሄረሰባን ህዝብታትን ክልል ደቡብ ዘቕረብኡ ሕቶ ሓበራዊ ምምስራት ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ውሳነ ሓሳብ ብዝምልከት ይዛተ ኣሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ህፁፅ ኣኼባ ካብ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ፈለማ ብቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ምምሕዳር ማንነትን ህንፀት ወሰንን ኣብ ደቡብ ክልል ዘለዋ 10 ዞባታት ብዛዕባ ኣቕሪበንኡ ዝነበራ በይናዊ ናይ ምውዳብ ሕቶን ነዚ መሰረት ብምግባር ምላሽ ንምሃብ ዝተገበሩ ስራሕቲን ብዝምልከት ዘርዝር ቀሪቡ።

ብመሰረት እዚ ሕቶ ክልልነት ካብ ዘቕርባ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ እንተፀንሑ እውን ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ዳህሳስን መበገሲ ሓሳበን ንክቐርብ ከምዝተገበረ ተራእዩ።

ስለዝኾነ ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ሕቶታተን ረብሓ ሀዝቢ ብዘኽብር መገዲ ምላሽ ንክረኽባ ምግባርን እተን ዞባታት ካብ በይናዊ ብዝሓሸ ብክላስተር እንተተወደባ ዝሓሸ ረብሓ ከምዝህልዎ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ክልተ ክልላት ንክውደባ ብዝብል ዝቐረበ ሓሳብ ንምፍፃም ዘድሊዩ መትከላት ምስንዳእ ካሊእ ጉዳይ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብሃይለየሱስ ስዩም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.