Fana: At a Speed of Life!

ቤት ቱፍርዲ ሕቶ ዋሕስ ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ብይን ንመሃብ ን26 መስከረም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትእዛ ዋሕስ ብር 100 ሺሕ ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ዝኣገደ  ተዘዋዋሪ ምድብ መጋባኢያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ፤ ሎሚ መዓልቲ ክትዕ ተኻይዱሉ ኣብቲ ሕቶ ዋሕስ ብይን ንመሃብ ን26 መስከረም 2013 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ኣብ ከተማ ኣዳማ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ብዝተኸሰሱሉ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት ሒዝካ ምርካብ ገበን ዋሕሰስ ኣይኽልክልን ክብል ብር 100 ሺሕ ኣትሒዞም ንኽወፅኡ ትእዛዝ ዝሃበ ይገኹን እምበር፥ ዓቃቢ ሕጊ ቢሮ ፍትሒ ኣዳማ ይግባይ ምባሉ ስዒቡ እገዳ ዋሕስ ተነቢሩሉ ኢዩ ንሎሚ መዓልቲ ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂቡዎ ፀኒሑ ኢዩ።

ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ቆፀሮ ድማ ብወገን ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ዋሕስ ክእገዱ ኣይግባእን ዋሕስ ዝኽልክል ገበን እውን ኣይኮነን ዝብሉ ተቓውሞታት ተላዒሎም።

ኣብ ሞንጎ ዓቃቢ ሕጊን ጠበቓታት ኣይተ ልደቱን ክትዕ ዋሕስ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ነቲ ክትዕ ዝሰምዐ ቤት ፍርዲ እውን ን26 መስከረም 2013 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ ኣሎ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.