Fana: At a Speed of Life!

ቤት ዕዮ ሚኒስቴራት ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ 100 መዓልቲታት ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ወረዳ ጉባ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩለን ቤት ዕዮ ሚኒስቴራት ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ 100 መዓልቲታት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸቡሉ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝርከበሉ ወረዳ ጉባ ይካየድ ኣሎ።

ኣብዚ ዓመት ኢኮኖሚ ብዙሓት ፈተናታት ዘንፀላለዉዎ ይኹ እምበር፥ ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ዓውዲታት ማክሮ ኢኮኖሚ ዕቤት ከምዝተመዝገበ ኣብቲ ገምጋም ተሓቢሩ።

ኣብቲ ገምጋም ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ካብ ንግዲ ወፃኢ 1 ነጥቢ 64 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ንምርካብ ተሓሲቡ 1 ነጥቢ 61 ቢሊየን ዶላር ምርካብ ከምዝተኽኣለ ተሓቢሩ፡፡

እዚ ድማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወቕቲ እንትነፃፀር ናይ 21 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ሓለፋ ኣመዝጊቡ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ብካሊእ መዳይ824 ሚሊየን ዶላር ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ምስሓብ ከምዝተኽኣለ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ምምዝጋቡ ዝተሓበረ እንትኸውን፥ ኣተኣኻኽባ ምህርቲ ዕውት ከምዝነበረ ተገሊፁ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 336 ነጥቢ 45 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ዝራእቲ ንምእካብ ተሓሲቡ 301 ነጥቢ 47 ሚሊየን ፍርያት ዝራእቲ ክእከብ ክኢሉ፡፡

ታክስን ታክስ ዘይኮኑ ርካባትን ናይ ውሽጢ ሃገር ኣታዊ ድማ 143 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ክእከብ ተኻኢሉ ተባሂሉ፡፡

ኢኮኖሚ እቲ በጀት ዓመት ተስፋ ዝህብ ይኹን እምበር ኢትዮጵያ ዝኣተወቶ ኲናት ግን ፈተናታት ምንፅልላዉ ከምዘይተርፍ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ እቶም ዓውዲታት ዘቕረባ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ተዛሪበን።

ነዚ ድማ ዘሎ ሸርፊ ወፃኢን ናይ ውሽጢ ሃገር ፋይናንስን ብግቡእን ቅድሚት ንዝወሃቦ ዘፈር ምውዓልን ውፅኢታዊ ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ ከምዘድሊ ኣገንዚበን፡፡

ዕላማ እቲ ገምጋም፥ ፀገማት ምእራም፣ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ክፀንዑ ምግባርን ብዝለዓለ ኩነታት ክቕፅሉ ምግባርን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብኣልኣዛር ታደለ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.