Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና ከተማ ዓዲግራት መጥቀሚ ግዚኦም ዝሓለፎም ንምግብነትን መፀባበቒ ሰባትን ዝዉዕሉ ፍሪያታት ኣወጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና ከተማ ዓዲግራት መጥቀሚ ግዚኦም ዝሓለፎም ንምግብነትን መፀባበቒ ሰባትን ዝዉዕሉ ፍሪያታት ከም ዘወገደ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና ከተማ ዓዲግራት መተሓባበሪ ቁፅፅር ጥዕና ኣይተ ወልደገብርኤል ገብሩ ከም ዝበልዎ፥ እቶም ተወጊዶም ዘለዉ ፍሪያታት ብዓይነት 11 እንትኾኑ ካብ 99 መደብራት ሸቐጣመቐጥ ብሃንደበታዊ ተፍትሽ ዝተኣከቡ እዮም።

እቶም ንብረታት ብገንዘብ እንትትመኑ ልዕሊ 25 ሺሕ ብር ከም ዝግመቱ ዝሓበሩ ኣይተ ወልደገብርኤል፥ እቶም ፍሪያታት ናብ ተጠቀምቲ እንተዝበፅሑ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ከሳጥሑ ዝኽእሉ እዮም ነይሮም።

ብተመሳሳሊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና እታ ከተማ ምስ ኣካላት ፀጥታ ብምትሕብባር ብዘካየዶ ሃንደበታዊ ተፍትሽ ኣብ ሸውዓተ ኣባይቲ ሽሻን ጫትን ብሕቡእ ከጥቅሙ ዝፀንሑ ኣካላትን ንብረቶምን ኣብ ትሕቱ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ተዛሪቡ።

ነቶም ዘይሕጋዉያን ሰብ ዋና ብመሰረት ወፂኡ ዘሎ ሓዱሽ ኣዋጅ ነፍሲ ወከፎም ካብ 3 ክሳብ 5 ሺሕ ብር ክቕፅዑ ከም ዝተገበረ ድማ ኣይተ ወልደገብርኤል ኣረዲኦም ክብል ድወት ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.