Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዝሃነፆም ኣቢያተ ትምህርቲ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዝሃነፆም ክልተ ካልኣይ ብርኪ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ቀዳማዊት እመቤት ወይዘሮ ዝናሽ ታያቸው ሓዊሱ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን፣ ምክትል ኣፈ ጉባኤ እቲ ክልልን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም።

እቶም ኣቢያተ ትምህርቲ ብብር 13 ነጥቢ 8 ሚሊየን ወፃኢ ዝተሃነፁ ኢዮም፡፡

ኣብባሽጦም ድማ ህንፃ ምምሕዳር፣ መምሃሪ ክፍሊታት፣ ቤተ ፈተነ፣ ቤተ መፃሕፍቲ፣ መእከቢ ኣዳራሽን መናፅሂ ህንፃን ዘካተቱ ኢዮም፡፡

እቶም ኣቢያተ ትምህርቲ ብሙሉእ ዓቕሞም ተምሃሮ ምቕባል እንትጅምሩ ብክልተ ፈረቓ 1 ሺሕን 600 ተምሃሮ ናይ ምቕባል ዓቕሚ ከምዘለዎ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ቤት ፅሕፈት ሎሚ መዓልቲ ዘመረቖም ሓዊሱ ከም ሃገር ህንፀቶም ተዛዚሙ ዘመረቖም ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ 10 ዝበፅሑ እንትኾኑ፥ ዝተረፉ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዘመርቕ ተገሊፁ፡፡

ትምህርት ተደራሽ ባልሆነባቸው ሌሎች አካባቢዎች የትምህርት ቤት ግንባታው በአጭር ጊዜ ውስጥ እንደሚጀመርም አስታውቋል፡፡

እቲ ቤት ፅሕፈት፥ ሎሚ መዓልቲ እውን ብተመሳሰዳሊ ኣብ ክልል ጋንቤላ ከተማ ጋምቤላ ዘህነፆ ቤት ትምህርቲ ሎሚ መዓልቲ ከምዘምርቕ ኣፍሊጡ፡፡

ብፍሬህይወት ሰፊው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.