Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፍርዲ ቃል እምነት ክሕደት እኒ ኣይተ ጃዋር ንምቕባል ድጋሚ ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፍርዲ ቃል እምነት ክሕደት እኒ ኣይተ ጃዋር ንምቕባል ድጋሚ ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ ልደታ 1ይ መጋባእያ ጉዳያት ሕገ-መንግስቲን ፀረ ግብረ ራዕዲን ብመሰረት ዝሃቦ ቆፀሮ ሎሚ መዓልቲ ተሰይሙ ዝነበረ፤ ቃል እምነት ክሕደት ተጠርጠርቲ ንምቕባል ኢዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር ተኸሰስቲ ስድራና ኣብ መጋባእያ ስለዘይተረኸቡ ቃል እምንት ክሕደት ክንህብ ኣይንኽእልን ክብሉ ስምዕታ ኣቕሪቦም።

ዓቃቢ ሕጊ እውን “ግዝ ብዝደፍአ ቁፅሪ ግዘናን ተኸሰስቲን እናወሰደ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ ስለዝኾነ ድማ ግዘ ኣብግምት እንተዘኣቱ” ክብል ርኢትኡ ሂቡ።

ኣይተ ጃዋር እውን ናይ ቤት ፍርዲ ግዘ ንምውሳድ ኣይኮነን ስድራና ክኣትዉ ስለዘለዎም ኢዩ ብምባል ኣብ ቤት ፍርዲ ዘለዎም እምነት ፅቡቕ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ነቲ ስምዕታ ዘድመፅ ቤት ፍርዲ ድማ ቃል እምነት ክሕደቶም ንምዕዛብ ን27 ጥሪ 2013 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.