Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ባንኪ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ካብ ባንኪ ወፃእ ኣብ ገዛ ይኹን ካሊእ ቦታ ምቕማጥ ከልኪሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ካብ ባንኪ ወፃእ ኣብ ገዛ ይኹን ካሊእ ቦታ ምቕማጥ ከልኪሉ።

ኣመሓዳሪ እቲ ባንኪ ዶክተር ይናገር ደሴ፥ ብሄራዊ ባንኪ ዘውፅኦም ኣርባዕተ መምርሒታት ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂቦም።

ዶክተር ይናገር ልዕሊ ‘ቲ ዝተረቑሐ መጠን ብር ኣብ ገዝኡ ወይ ካሊእ ቦታ ከዚኑ ዝተረኸበ ብሕጊ ከምዝቕፃዕ ዕላዊ ገይሮም።

ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ካብ ባንኪ ወፃእ ኣብ ገዛ ይኹን ካሊእ ቦታ ምቕማጥ ምኽልካሉ፥ ኢትዮጵያ እተሐትሞ ገንዘብ ብዝግባእ መልክዑ ኣብ ውሽጢ ኢኮኖሚ ንክዘዋወር ዝሕግዝ ኢዩ እውን ኢሎም።

ብተወሳኺ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ንምክልኻል ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ገንዘብ ብዘይግባእ ኩነታት ኣብ ረብሓ ምውዓሉ፥ እዛ ሃገር ብሸርፊ ወፃኢ እተሐትሞ ገንዘግ እናተበላሸወ ንተወሳኺ ወፃኢ የቃልዓ ከምዘሎ ዶክተር ይናገር ሓቢሮም።

ብካሳዬ ወልዴ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.