Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣፍረይቲ ወርቂ ንምብርትታዕ ካብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ወርቂ 35 ሚኢታዊ ወሰኽ ገይሩ ንምግዛእ ምውሳኑ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣፍረይቲ ወርቂ ንምብርትታዕ ካብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ወርቂ 35 ሚኢታዊ ወሰኽ ገይሩ ንምግዛእ ምውሳኑ ኣፍሊጡ።

ማኔጅመንት ከረንሲ ዳይሬክተር እቲ ባንኪ ኣይተ ኣበበ ሰንበቴ ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣፍረይቲ ወርቂ ንምብርትታዕን ንግዲ ኮንትሮባንድ ንምቁፅፃርን ካብ መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ከም በዝሒ እቲ ወርቂ ካብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ወርቂ ካብ 10 ክሳብ 29 ሚኢታዊ ወሰኽ ገይሩ እናገዝአ ምፅንሑ ኣዘኻኺሮም።

ብምዃኑ ካብ ወርሒ መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝነበሩ ክልተ ዓማውቲ ልዑል ዝኾነ ቀረብ ወርቂ ከምዝተረኸበ ተዛሪቦም።

ኣብቶም ዓመታት እቲ ባንኪ ካብ ዕድጊት ወርቂ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝረኸበ ገሊፆም።

ይኹን እምበር ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ብብሄራዊ ባንኪ ዝወፅ መጠን ወርቂ እናነከየ ብምምፅ ኣፍረይቲ ወርቂ ንምብርትታዕ ንኹሎም ኣፍረይቲ ወርቂ ማዕረ 35 ሚኢታዊ ወሰኽ ብምግባር ዕድጊት ከምዝፍፀም ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.