Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ባንኪ ኣብ ገደብ ልቓሕ ምምሕያሽ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ቀረብ ልቓሕ ተተሓሒዡ ተነቢሩ ዝነበረ ገደብ ልቓሕ ምምሕያሽ ምግባሩ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ መመሓየሺ ባንኪታት ሓሙሽተ ዓይነታት ልቓሕ ክፈቕዱ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጡ፡፡

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ ባንኪታት ዝሃበኦ ልቓሕ ንምላስ ሓራጅ ዘውፅኡዎም ንብረተታት ንምግዛእ ንዘሓቱ ዓደግቲ ዝወሃብ ልቓሕ፣ ኣብ ሞንጎ ካልኣይን ሳልሳይን ወገን ዝግበር ዕድጊትን ንሰራሕተኛታት ባንኪ ዝወሃብ ህፁፅ ልቓሕ ይርከቦ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ቅድመ ኩነት ኣማሊኦም መንበሪ ገዛ ንምግዛእ ወይ እውን ንምህናፅ እንተተኣመነሎም ንሓተትቲ ዝወሃብ ልቓሕ፣ ካብ ዝፀደቑ ትካላትን ሰራሕተኛታት ትካላትን ንዝቐርቡ ሕቶታት ልቓሕ ከምኡ እውን ኣብ ጎንደር ከባቢ ንዝርከቡ ኣፍረይቲ ሰሊጥ ዝወሃብ ልቓሕ ምምሕያሽ ከምዝተገበረ ካብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.