Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዓሊሞም ብሞየኦም ኣብ ምግልጋል እናሃለዉ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ዶ/ር ፍሰሃየ ኣለምሰገድ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2012 ( ኤፍ.ቢ.ሲ) ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዓሊሞም ብሞየኦም ኣብ ምግልጋል እናሃለዉ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ዶ/ር ፍሰሃየ ኣለምሰገድ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።

ዶ/ር ፍስሃየ ኣለምሰገድ ተስፋሚካኤል ካብ ኣብኦም ኣይተ ኣለምሰገድ ተስፋሚካኤልን ካብ ኣዲኦም ወ/ሮ ዝናብ ገ/ሄርን ብ1970 ዓ.ም ኣብ ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ይሓ ተወሊዶም፡፡

ዕድምኦም ንትምህርቲ ምስ በፅሐ 1ይ ብርኪ ትምህርቱ ኣብ ዓዲዃላ፣ 2ይ ብርኪ ትምህርቲ ኣብ ባህርዳር ተኸታቲሎም።

ዝለዓለ ውፅኢት ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ብምምፃእ ናብ ዩኒቨርስቲ ጅማ ክፍሊ ትምህርቲ ሕክምና ብምእታው፥ 03 ጉንበት 1994 ዓ.ም ብሕክምና ዶክትሬት ተመሪቖም፡፡

2ይ ዲግሪኦም ድማ ብኢፕዶሞሎጂ 15 ሓምለ 1998 ዓ.ም ተመሪቖም፡፡

ካብ 1995 ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ ዩኒቨርስቲ ጅማ ብመምህርነትን ተመራማራይነትን ካብ ብርኪ መምህርነት ክሳብ ደረጃ ተሓባባሪ ፕሮፌሰርነት ኣብ ምግልጋል ፀኒሖም።

ካብ መስከረም 2012 ዓ.ም ጀሚሮም ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣክሱም ብደረጃ ተሓባባሪ ፕሮፌሰርነት ኣብ ምምሃርን ምርምርን ስራሕ ተዋፊሮም ንዓዶም እንዳገልገሉ ከምዝፀንሑ እቲ መግለፂ ይሕብር።

ዶ/ር ፍስሃየ ኣለምሰገድ ብዝነበሮም ልዑል ዓቕሚ ልዕሊ 50 ዝኾኑ ብሽሞምን ምስ መሳርሕቶም ብምዃንን መፅናዕታዊ ፅሑፋት ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ትካላት ሕትመት ዘሐተሙ ምሁር ኔሮም፡፡

ለበዳ ቫይረስኮሮና ናብ ሃገርና ካብ ዝኣቱ ንደሓር ብሙይኦም ዝተፈላለየ ደገፋት እንዳሃቡ ዝፀንሑ እንትኾኑ፥ ካብ 09 ሰነ 2012 ዓ.ም ጀሚሮም ብፍሉይ ንቢሮ ጥዕና ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ለበዳ ኮሮና ዕዙዝ ኣበርክቶ እንዳሃቡ ዝፀንሑ ጅግና ኔሮም፡፡

ዶ/ር ፍስሃየ ኣለምሰገድ ብዓቕምን ምስ ሰባት ዘለዎም ርክብን ምስጉን ዝነበሩ እንትኾኑ፥ ሕብረተሰብ ካብ ለበዳ ኮሮና ንክናገፍ ሙያዊ ግቡኦም እንትዋፅኡ ብሕማም ኮሮና ተታሒዞም ኣብ ክትትል ሕክምና ድሕሪ ምፅናሕ 01 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ዓሪፎም።

መስዋእቲ ዶ/ር ፍስሃየ ኣለምሰገድ ንስድራ፣ ፈተዉቱ፣ መሳርሕቱን መንግስትን ዓብዪ ክሳራ ዋላ እኳ እንተኾነ ሙያዊ ግቡኦም እንትፍፅሙ ዘጋጠመ መስዋእቲ ብምዃኑ ብታሪኽ እንዳተዘከረ ዝነብር ክቡር መስዋእቲ እዩ ዝበሉ
ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይን መላእ ሰራሕተኛታትን ብመስዋእቲ ዶ/ር ፍስሃየ አለምሰገድ ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ብምግላፅ ንስድራ፣ ፈተዉቱ፣ መሳርሕቶምን ፅንዓት ተመኒዮም።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እውን ብመስዋእቲ ዶ/ር ፍስሃየ ኣለምሰገድ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለፀ ንስድራ፣ ፈተዉትን መሳርሕትን መዋቲ ፅንዓት ይምነ ኢሉ፡፡

ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ብግድኡ፥ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፅርን ዓሊሞም ብሞየኦም ኣብ ምግልጋል እናሃለዉ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ዶ/ር ፍሰሃየ ኣለምሰገድ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.