Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ኮሚቴ ሚኒስትራት ምቁፅፃርን ምክልኻልን ኮቪድ 19 ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ግንቦት፣ 2012 ፣ (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ኮሚቴ ሚኒስትራት ምግፋሕ ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ብዝምልከት ምስ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ላዕለዎት ኣመራርሓ ምምሕዳራት ከተማን ተዛቲዩ።

ብተወሳኺ ምቁፅፃርን ምክልኻልን እቲ ሕማም ኣመልኪቶም ኣብ ዝግበሩ ዘለዉ ስራሕቲ ዘጋጥሙ ዘለዉ ፀገማት ብምዝታይ መፍትሒ ኣንፈታት ከምዘቐመጠ ተሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ሕማም ብዝለዓለ ኩነታት ይውሰኽ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ ሕብረተሰብ ልዑል ምዝንጋዕ ይርአ ከምዘሎ ኣብቲ መድረኽ ቀሪቡ።

ስለዝኾነ ግንዛበ መዕበዪ ተግባራት ክቕፅሉ ከምዝግባእን ዝተኸልከሉን ኣገደድቲን ኩነታት ብዝምልከት እውን ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣንፈት ተቐሚጡ ኣሎ።

ምግፋሕ እቲ ለበዳ ካብ እዋን ናብ እዋን ይውስኽ ብምህላዉ ኣገልግሎት ሕክምና ይህቡ ኣብ ልዕሊ ዘለዉ ሰብ ሞያታት ጉድኣት ይበፅሕ ብምህላዉ፥ ኣብ ትካላት ሕክምና ዝለዓለ ጥንቃቐ ምግባር ከምዝግባእ እውን ተገሊፁ።

ኣብ ከባቢ ዶብ ዘሎ ምቁፅፃርን ምክልኻልን እቲ ሕማም ከምኡ ውን መፅንሒ ክፍሊታት ምምሕያሽ እኳ እንተሃለወ፥ ይኹን እምበር ሐዚ እውን ኣብ ኩሎም ከባቢታት ፅኑዕ ክትትልን ቁፅፅርን ምግባር ከምዝግባእ ኣፅንኦት ከምዝተውሃበ ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.