Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ መተባብዒ ሽልማት 2 ሚሊየን ብር ተበርኪቱሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ መተባብዒ ሽልማት 2 ሚሊየን ብር ተበርኪቱሉ።

እቲ ጋንታ ትማሊ ምስ ኒጀር ኣብ ዘካየዶ ፀወታ 3 ን0 ምዕዋቱ ስዒቡ ኮሚሽን ስፖርት ፌዴሪኢ ምስ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብሓባር ብምዃን እቲ ሽልማት ምብርካቶም ተገሊፁ።

እቲ ጋንታ ኣብ ቀፃሊ ንዝገብሮም ክልተ ፀወታታት ዝሓሸ ውፅኢት ብምምዝጋብ ንዋንጫ ኣፍሪካ ንክስለፍ ንምትብባዕን ንምልዕዓልን ዝዓለመ ሽልማት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.