Fana: At a Speed of Life!

ብህይወት ዘየለ ከንቲባ ኣብ መረፃ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሰንኪ ኮቪድ-19 ህይወቱ ዝሰኣነ ከንቲባ ሮማኒያዊት ከተማ፥ ኣብ ቀረባ መዓልታት ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ መረፃ 64 ሚኢታዊ ድምፂ ብምርካብ ተዓዊቱ።

ኣብ ደቡባዊ ሮማኒያ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ዴቨሰሉ ከንቲባ ዝነበረ ኢዮን ኣሊማን ንሳልሳይ ግዜ ኣብ መረፃ ከምዝተዓወተ ተገሊፁ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዋና ከተማ እታ ሃገር ኣብ ዝኾነት ቡካረስት ህይወቱ ዝሓለፈ እቲ ከንቲባ፥ ስሙ ካብ ዝርዝር ሕፁያት ተወዳደርቲ ኣይተሰረዘን ፀኒሑ።

እቲ ዝርዝር ሕፁያት ተወዳደርቲ ኣቐዲሙ ስለዝተሓተመ ስሙ ክስረዝ ከምዘይከኣለ’ዮም ሰብመዚ ዝዛረቡ።

በዚ ምኽንያት ድማ ዝሞተ ሰብ ከንቲባ ኮይኑ ክምረፅ ከምዝኸኣለ ኣረዲኦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.