Fana: At a Speed of Life!

ብለበዳ ቫይረስ ኮቪድ 19 ዝተሓዙ ሰባት ቁፅሪ ብዕፅፊ ወሲኹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ብለበዳ ቫይረስ ኮቪድ 19 ተታሒዞም ናብ ማእኸላት ሕክምና ዝኣትዉ ሰባት ቁፅሪ ብዕፅፊ ወሲኹ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ሰሙናዊ ማእኸላይ መጠን ሞት ካብ 13 ናብ 36 ሚኢታዊ ክብ ከምዝበለ ኣብሪሀን፡፡

ሳልሳይ ዙር ማዕበል ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና እናወሰኸ ከምዝኾነ ዘርእዩ ኣመላኸትቲ ነገራት ከምዘለዉ እውን ገሊፀን፡፡

ዴልታ ዝተብሃለ ሓዱሽ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና ናብ ኢትዮጵያ ምእታዉ ንምርግጋፅ ስራሕቲ ምርመራ ከምዝተጀመረ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ውፅኢቱ ኣብ ሓፂር እዋን ዕላዊ ከምዝግበር ኣገንዚበን፡፡

ብዙፋን ካሳሁን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.