Fana: At a Speed of Life!

ብልፅግና፣ ኢዜማ፣ ህብር ኢትዮጵያን መኢአድን ኣብ ፌዴራሊዝምን ብዝሃነትን ዘድሃበ ክትዕ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘዳለዎ ኣብ ፌዴራሊዝምን ብዝሃነትን ዘድሃበ ፈላማይ መድረኽ ክትዕ ፓርቲታት ፖለቲካ ሎሚ መ’ዓልቲ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ብልፅግና፣ ኢዜማ፣ ህብር ኢትዮጵያን መኢአድን ክትዖም ኣካይዶም።

ፓርቲ ብልፅግና ብምውካል ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣይተ ፍስሃ ይታገሱ፥ ህወሓት ኣብ ኣፈላላይ ትኹረት ብምግባር  ዓምዲታት ፌዴራሊዝም ዝኾኑ ባዕልኻ ንባዕልኻ ናይ ምምሕዳርን ንናይ ሓባር ጉዳያት ብሓባር ደው ምባልን እንተፈራርስ ከምዝፀንሐ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ፓርቲ ብልፅግና ነቶም ጌጋታት ብምእራም ኣብ ዝሓለፉ ዝነበሩ እወንታዊ ስራሕቲ ብምዕቃብ ህዝብታት ብቋንቆኦምን መንነቶምን ተኸቢሮም ዝነብርሉ ስርዓት ፌዴራሊዝም ክሃንፅ ኢዩ ኢሎም።

ኢዜማ ብምውካል ዝቐረቡ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ብግደኦም፥ ኣብ ዘርኢ ዝተደረኸ ስርዓት ፌዴራሊዝም ብዙህነት ምንጋስ ኣይከኣለን ኢሎም።

ኣብ ክልልት ዝነብሩ ዜጋታት መጤን ነባርን ብምባል ንምጥፋእ ህይወት ሰብን ንብረትን ከምዘስዓበ ድማ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ፓርቲኦም ሉእላውነትን ሓድነትን ኢትዮጵያ ዘጠናኽር ሰርዓት ፌዴራሊዝም ንምህናፅ ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።

ተወካሊ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ህብር ኢትዮጵያ ኢንጂነር ይልቃል ጌትነት፥ ኣወዳድባ ስርዓት ፌዴራሊዝም ኢትዮጵያ ባህሊ፣ ናይ ህዝቢ ስነልቦና፣ ስነ ምህዳር፣ ቁጠባዊ ሃፍቲን ካልኦትን መሰረት ንክገብር ኣብ ማኑፌስቶ ከምዘቐመጠ ኣብሪሆም።

መኢአድ ብምውካል ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ ኣይተ ሰማኸኝ ኣብርሃም ብግደኦም፥ ፓርቲኦም ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝካየድ ምርጫ መንግስትነት ከጣይሽ ዝኽእል ድምፂ እንተረኺቡ  ቋንቋ ስራ ፌዴራልን ኣብ ክልላት ዘለዉ ፍሉይ ሓይሊን ብዝምልከት ዘለዎ ቅዋም ዘንፀባርቕ ክትዕ ኣካይዶም።

 

ብፋሲካው ታደሰ

 

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.