Fana: At a Speed of Life!

ብልፅግና ፓርቲ ልምዓትን ፍትሓዊ ተረባሕነትን ዘረጋግፅ ሰርዓት ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዓሊሙ ከምዝሰርሕ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብልፅግና ፓርቲ ልምዓትን ፍትሓዊ ተረባሕነትን ዘረጋግፅ ስርዓት ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዓሊሙ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።

ነዚ እውን ዘፈር ውልቀን ሃገራዊ ሰብ ሃፍትን ናይ ምጥንኻር ስራሕ ከምዝሰርሕ ገሊፁ።

ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣብታ ከተማ ምስዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲ ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ፓርቲ ብልፅግናን ኢኮኖሚን ተዛቲዩ።

ኣብቲ መድረኽ ቅድሚ ለውጢ ዝነበሩ መበገሲ ሓሳባትን ድሕሪ ለውጢ ዝተሰርሑ ስራሕቲን ብዝምልከት ዘተ ተገይሩሎም ኢዩ።

ብተወሳኺ ፓርቲ ብልፅግና ሒዙዎም ኣብ ዝመፅኡ ኣማራፂታት ኢኮኖሚ ብዝምልከት ልዝብ ተገይሩሉ።

ብመሰረት እዚ ሃገራዊ ለውጢ ድሕሪ ምምፅኡ ቀየድቲ ሕጊታት ከምዝተልዓሉ፣ ምስ ግብሪ ብዝተተሓሓዘ ትሽዓተ ሕጊታት ከምዝተመሓየሹ፣ ውዝፍ ግብሪ ንዘለዎም ነጋዶ ናይ እፎይታ ግዘ ከምዝተውሃቦምን ስርዓት ንግዲ ንምዝማን ዝሕግዙ 26 ሕጊታት ምምሕያሽ ከምዝተገበረሎምን ተገሊፁ።

እቶም ተሳተፍቲ ምስ ግብሪ ዝተተሓሓዙ ምምሕያሻት ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ ይኹን እምበር ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎትን ካልኦት ዛዕባታትን ትኹረት ዝሓቱን ምምሕያሽ ዘድሊዮምን ዛዕባታት ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ጉዳይ ሰላም ብዝምልከት እውን ኣተሓሳሳቢ ብርኪ ከምዘሎ ዝገለፁ እንትኾኑ፥ ነዚ ንምፍታሕ ኣብ ሃገራዊ ሰላም ትኹረት ሂብካ ክስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

 

ብለይኩን ኣለም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.