Fana: At a Speed of Life!

ብሓሶት ሓበሬታን ፕሮፖጋንዳን ትኹረት ማሕበረሰብ ዓለም ንምስሓብ ዝግበር ፃዕሪ ቦታ ከምዘይብሉ መንግስት ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሓሶት ሓበሬታን ፕሮፖጋንዳን ትኹረት ማሕበረሰብ ዓለም ንምስሓብ ዝግበር ፃዕሪ ቦታ ከምዘይብሉ መንግስቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ትኽክለኛ መንነቱ ህዝቢ ዓለም እናረኣዮ ከምዝመፅአን ብናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ኣሰሊፉዎ ዝነበረ ሓገዝ ብምዝሕሓሉን ልቢ ማሕበረሰብ ዓለም ክዕድገሉ ኢሉ ዝሓሰቦ ጉዳይ ምፍታሕ ምሩኻት ዛዕባ ንምግባር እናፈተነ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለፂ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ብሓሶት ሓበሬታን ፕሮፖጋንዳን ትኹረት ማሕበረሰብ ዓለም ንምስሓብ ዝግበር ፃዕሪ ቦታ የብሉን!

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሓቃዊ መንነቱ ማሕበረሰብ ዓለም እናፈለጦ ከምዝመፅአን ብሓሶት ፕሮፖጋንዳ ኣዋፊርዎ ዝነበረ ሓገዝቱ ምዝሕሓሎምን ስዒቡ ልቢ ማሕበረሰብ ዓለም ንምስሓብ  ሙሩኻት ምፍታሑ ዛዕባ ንምግባር ይሙኽር እዩ ዘሎ፡፡

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ብወራር ኣብ ዝፀንሐሉ እዋን ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ኣብ ልዕሊኦም ክፈፀመሎ ዝነበሩ ሰባት ኣገዲዱ ብምሓዝ ንባዕሉ ፕሮፖጋንዳ  ረብሓ ክብል ምሩኻት ብምባል ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ንዝርከቡ ማሕበረሰብ ንምድንጋር ይሙክር ኣሎ፡፡

መንግስቲ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝገብሮ ኣብ ዘሎ ምፅራይ በቲ ግብረ ራዕዲ ሙሩኻት እዮም ተባሂሎም ዝተሰደዱ መብዛሕቲኦም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ ትግራይ ኣብ ዝወፅአሉ እዋን በቲ ጉጅለ ተዓጊቶም ዝቐረዩ ኣባላት ስድራ ቤት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከምዝኾኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እዛ ሃገር ብስራሕ ኣብ ትግራይ ዝነብሩ ሲቪል ነበርቲ ዓጊቱ ዝፀንሐ እቲ ጉጅለ፤ ሕዚ ፖለቲካዊ መኽሰብ ክረኽበሉ እየ ኢሉ መለለይ ክዳን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ዝተፈላለዩ ኣባላት ፀጥታን ብምኽዳን ብሙሩኻት ስም ድራማ ፕሮፖጋንዳ ይሰርሕ ኣሎ፡፡

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብዚ ሰሙን ኣዋጅ ኩናት እናኣወጀን ብጋህዲ ይዳሎ ከምዘሎ ምፍላጡ ስዒቡ ዘላቶ ስንቂ ፀንቒቑ ንኩናት ብምስንዳእ ንዳግማይ ጥፍኣት ይዳሎ ከምዘሎ እዚ ተግባሩ መርኣያ እዩ፡፡

እዚ እከይ ተግባር ድማ ከም ሸኔን ካልኦት ዕጡቓት ራዕዳውያን ናይዚ  ፕሮፖጋንዳ ተሓባበርቲ እዮም፡፡

መላእ ህዝብታት እዛ ሃገር ቅድሚ ሐዚ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝንዝሑ ወረታትን ዕላማን ኢሉውን ተልእኾ ጥፍኣቱ ብምዝካር ሐዚውን ዝነዝሖም ወረታት ንጥፋኣት ከገናዝብ ይግባእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.