Fana: At a Speed of Life!

ብሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝውሰድ ዘሎ መጥቃዕቲ ነቲ ጉጅለ ራዕዲ ብምድኻም ዓወት ብቐሊሉ ንምሕፋስ ዝሕግዝ ኢዩ- ብርጋዴር ጀነራል ካሳዬ ጨመዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝውሰድ ዘሎ መጥቃዕቲ ምንቅስቓስ እቲ ጉጅለ ራዕዲ ብምድኻም ዓወት ብቐሊሉ ንምሕፋስ ዝሕግዝ ኢዩ ክብሉ ነበር ናይ ቀደም ኣባል ሰራዊት ብርጋዴር ጀነራል ካሳዬ ጨመዳ ተዛሪቦም።

እቲ ሓይሊ ኣየር ልክዕ ከምናይ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ዝገብሮ ዘሎ መጥቃዕቲ ዘኹርዕ ኢዩ ክብሉ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ናይቲ ግብረ ራዕዲ ኣፅዋራት መኽዝንን መፀገኒን፣ ናይ ስልጠና ቦታታት፣ ንእኩይ ተግባራት ተፃዒኖም እንትንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኣፅዋራትን ትካላትን ዝውሰዱ ስጉምቲታት ኣብ ውሽጢ ወታደራዊ ውሳነ ዝሓልፉ ንንፁሃን ትኹረት ዘይገብሩ ምዃኖም ካብ ናይ ትማሊ ታሪክና እንርእዮ ኢዩ ኢሎም።

ብሙያዊ ስነ ምግባር ዝተሃነፀ እቲ ትካል ክሳር ብዝቐነሰ መገዲ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ራዕዲ ሙሉእ ትኹረት ብምግባር መጥቃዕቲ ዝፍፅም ዘሎ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን መጥቃዕቲ ተብፅሕ ኣላ ብዝብል ዝተዛብዐ ዘገባ መራኸብቲ ሓፋሽ ምዕራባውያን ተቐባልነት ኣይብሉን ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ነቲ ኩይናት ብህፁፅ ብምዝዛም እዛ ሃገር ገፃ ናብ ልምዓት ንክተዝውር እቲ መጥቃዕቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ ኢሎም።

ብኣፈወርቅ ዓለሙ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.