Fana: At a Speed of Life!

ብሓደጋ ትራፊክ ህይወት ሸሞንተ ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሓደጋ ትራፊክ ህይወት ሸሞንተ ሰባት ሓሊፉ።

ኣብ ዞባ ጌዴኦ ከተማ ወናጎ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ፥ ህይወት ሰለስተ ሰባት እንትሓልፍ ኣብ ልዕሊ 10 ሰባት ጉድኣት በፂሑ፡፡

እቲ ሓደጋ ትማሊ ምሸት ከባቢ ሰዓት 12 ካብ ያሎ ናብ ኣዲስ ኣባ እናተጓዓዘት ዝነበረት መኪና ብተፃራሪ ኣንፈት እናተጓዓዘት ምስ ዝነበረት ንኡሽተይ መመላለሲት ህዝቢ ተሸከርካሪት ብምግጫዋ ዘጋጠመ ኢዩ፡፡

በዚድማ ህይወት ሰለስተ ሰባት ሽዑ ንሽዑ እንትሓልፍ ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ሰባት ከቢድ ጉድኣት ኣብ ኣርባዕተ ሰባት ድማ ቀሊል ጉድኣት ኣካል ከምዝበፅሐ ተገሊፁ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ባንጃ ቀበሌ ዚቅ ጎመርታ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ሓሙሽተ ህፃናትን መምህርን ሓሊፉ።

እቲ ሓደጋ፥ ሎሚ ዕለት ኣብ ወረዳ ባንጃ ቀበሌ ዚቅ ጎመርታ ከባቢ ሰዓት 2:00፤ ተምሃሮ ኣካዳሚ ቤት ትምህርቲ ዳሳሽ ኣብ ታሪኻዊ ቦታታት ቻግኒ ዑደት ንምግባር ሒዛቶም እናተጓዓዘት ዝነበረት ተሽከርካሪት ብምግልባጣ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ኮሙኒኬሽን ወረዳ ባንጃ ኣፍሊጡ።

በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ህይወት ሰለስተ ህፃናት ሽዑ ንሽዑ እንትሓልፍ ሓደ ህፃንን ሓንቲ መምህርን ኣብ ሕክምና ምስበፅሑ ህይወቶም ሓሊፉ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.