Fana: At a Speed of Life!

ብሔራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ መለክዒ መጣየሺ ንዘማልኡ ሸሞንተ ሓደሽቲ ባንኪታት ፍቓድ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሔራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ መለክዒ መጣየሺ ንዘማልኡ ሸሞንተ ሓደሽቲ ባንኪታት ፍቓድ ምሃቡ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ቁፅፅር ባንኪ እቲ ብሄራዊ ባንኪ ፍሬዘር ኣያሌው፥ ኣብ ዘፈር ፋይናንስ ተግባራዊ እናተገበሩ ዝርከቡ ለውጢታት ስዒቡ ብዙሓት ባንኪታት መጣየሺ ፍቓድ ንምርካብ ሕቶ እናቕረቡ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ባንኪ ንምጥያሽ ዘድልዮ ትሑት መጠን ካፒታል ካብ 500 ሚሊየን ናብ 5 ቢሊየን ብር ክብ ክብል ከምዝገበረ ብምሕባር፥ እቲ መለክዒ ንዘማልኡ ፍቓድ እናተውሃበ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ፍቓድ መጣየሺ ካብ ሞንጎ ዝሓተቱ 25 ሓደሽቲ ባንኪታት ንዘማልኡ ሸሞንተ ሓደሽቲ ባንኪታት ብሔራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዘውፀኦ መለክዒ ኣማሊኦም ንዝተረኸቡ ሸሞንተ ባንኪታ ፍቓድ ከምዝሃበ ተዛሪቦም።

ብሔራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ን28 ባንኪታት ፍቓድ ምሃቡ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.