Fana: At a Speed of Life!

ብሔራዊ ኮሚቴ ማክሮ ኢኮኖሚ ኮሚቴ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢኮኖሚ ብምድሃብ መግለፂ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዚያ፣ 2013 ዓ.ም (ኤፍ ቢ ሲ)ብሔራዊ ኮሚቴ ማክሮ ኢኮኖሚ ኮሚቴ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ መግለፂ ሂቡ።

እቲ ኮሚቴ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ኣብ ሃገርና ዘለዉ ፀገማት ዝተሓላለኹን ዝተኣሳሰሩን ኢዮም ኢሉ።

ምስ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ፣ ዲፕሎማሲን ማሕበራዊን ዛዕባታት ጥቡቕ ምትእስሳር ከምዘለዎም ድማ ተዛሪቡ።

እዛ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ተኸታታሊ ዕብየት እንተመዝገበት እውን፥ እቲ ብኣሃዝ ዘተረቑሐ ዕብየት ብምኽኒያት ፅዕንቶ ልቓሕ ንባዕሉ ምቕፃል ከምዘይከኣለ ገሊፁ።

ለውጢ ስዒቡ ብዝተወሰደ ስጉምቲ፥ ዜጋታት ብኢኮኖሚ ፍትሓዊ ተረባሕቲ ንክኾኑ፣ ብምኽኒያት ግዕዙይ ኣሰራርሓን ብዘይስርዓት ዝባኸነን ሃፍቲ ሃገር ብጥቡቕ ቅፅፅርን ዲስፕሊን ኣፈፃፅማ ፕሮጀክቲታት ንክምራሕ፣ ብምኽኒያት ፅዕንቶ ልቓሕ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ኢኮኖሚ ንከንሳእርር ምግባር፣ ጥርሑ ተሪፉ ዝነበረ ካዝና ሃገር ንክመልእ ዘኽእል ሸቶ ብምቕማጥ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ብምቕራፅ ከምዝተንቀሳቐሰ ሓቢሩ።
ስለዝኾነ ብምኽኒያት ፅዕንቶ ልቓሕ ርእሳ ኣድኒና ዝነበረት ሃገር ብመጠኑ ቅንዕ ምባል ከምዝኸኣከት ብምግላፅ፣ ብሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ደው ናብ ምባል በፂሑ ዝነበር ኩለ መዳይ ሞተር ኢኮኖሚ ምንቅስቓስ ጀሚሩ ኣሎ ኢሉ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሴክተር ቱሪዝም ዘለዋ ናይ ምምዕባል ዓቕሚ ብምጥቃም ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ንምግባር  ዘኽእሉ ብዙሓት  ፕሮጀክትታት ብምስራሕ  ኣብ ኣዲስ አበባን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሃገርን ተግባራዊ ይኾኑ ኣለዉ ኢሉ።

ንዓውዲ ሕርሻ ዘማዕብሉ እታዎታት ብምቕራብ፣  ዘመናዊ ናይ ሕርሻ ቴከኖሎጂታት ብንቕራብ፣ ጠሊ ብኣግባቡ ብምጥቃምን ብኩታ ገጠም ብምፍራይን ግብርና ንምዝማን ዝተትሓዘ ትልሚ ተስፋ ወሃብቲ ውፅኢታት ይረአይዎ ከምዘለዉ ተዛሪቡ።

ድሕሪ ለውጢ ዘጋጠሙ ፈተናታት ለበዳ ኮቪድ-19፣ ዕስለ ኣምበጣን ብሕጊ ኣይንግዛእን ብምባል ብኹሉ ኣንፈት ዘጋጠሙ ኩይናታትን ምፅዋር ጥራሕ ዘይኮነስ ንነዊሕ እዋን ማሕንቖ ኢኮኖሚ ዝነበሩ ፀገማት ምፍታሕ ከምዝተኽኣለ ገሊፁ።

ሎሚ ዘበን 2 ሚኢታዊ ዕብየት ብምምዝጋብ ንፈለማ እዋን ዓስራይ ወርሒ ቅድሚ ምብፅሑ ኣታዊ ንግዲ ወፃኢ 3 ቢልዮን ዶላር ክሓልፍ ከምዝኸኣለ ገሊፁ።

ስለዝኾነ መንግስቲ ኣብ ምምሕያሽ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ዝወስዶም ዘሎ ስጉምቲታት እቲ ኢኮኖሚ ካብ ዝነበሮ ፀገም ብምውፃእ ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.