Fana: At a Speed of Life!

ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ህንዲን ባንግላዴሽን ብስግኣት ኣውሎ ንፋስ መረበቶም ሓዲጎም የሃድሙ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ህንዲን ባንግላዴሽን ብስግኣት ኣውሎ ንፋስ መረበቶም ሓዲጎም የሃድሙ ኣለዉ።

ሰብ ሞያታት ትምበያ ከባቢ ኣየር ኣምፋን ዝተብሃለን ብደረጃ ሓሙሽተ ዝተመደበን ኣውሎ ንፋስ፥ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ኣብ ክልቲአን ብሁቦብላ ዝተዓጀበ ከቢድ ዝናብን ውሕጅን ከምዘስዕብ ኣጠንቂቖም።

ነዙይ ስዒቡ ድማ እቲ ኣውሎ ንፋስ ጉድኣት ከስዕበሎም ይኽእል ኣብ ዝተበሃሉ ከባቢታት ዝርከቡ ዜጋታት ናይ ምርሓቕ ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

ብመዓልታዊ ስራሕ ዝመሓደሩ ዜጋታትን ስደተጋታትን ቀንዲ ተጠቃዕቲ ናይቲ ኣውሎ ንፋስ ክኾኑ ኢዮም ዝብል ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።

ናብ ወሽመጥ ባሕሪ ቤንጋል ዝተፀገዐ እቲ ኣውሎ ንፋስ፥ ንጠረፋት ባሕሪ ምብራቓዊ ህንዲን ደቡባዊ ባንግላዴሽን ክወቕዕ ክዝኽእል ተተንቢዩ ኣሎ።

ኣብተን ዝተፀርሓ ከባቢታ ዕንወት መንበሪ ኣባይቲ፣ መሰረተ ልምዓታት፣ ዝራእቲ ኣዝመራን ሓዊሱ ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዘጋጥም እቶም ሰብ ሞያታት ትንበያ ከባቢ ኣየር ገሊፆም።

ክበፅሕ ዝኽእል ሓደጋ ንምንካይ ድማ ብዙሓት ነበርቲ ናብ ካልኦት ከባቢታት ናይ ምዝውዋር ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ።

እቲ ኣውሎ ንፋስ ምስ̕ቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ስግኣት ዓለም ኮይኑ ዘሎ ኮቪድ-19 ተደሚሩ ነተን ሃገራት ዓቢዪ ፈተና ከይኑወን ከምዘሎ ዝወፅኡ ዘለዉ ሓበሬታታት ኣብሪሆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ቅልል ዝበለ ሁቦብላ ንፋስ ዝተሓወሶ ዝናብ እናዘነበ ከምዝርከብ ምስሊታት ትንበያ ኣየር የመላኽቱ ኣለዉ።

ፍልፍል፦ ሲ ኤን ኤንን ቢቢሲን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.