Fana: At a Speed of Life!

ብምክንያት ጎንፂ ተቋሪፁ ዝነበረ ቀረብ ሓይሊ 99 ሚኢታዊ ናብ ኣገልግሎት ተመሊሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ብምክንያት ጎንፂ ተቋሪፁ ዝነበረ ቀረብ ሓይሊ 99 ሚኢታዊ ናብ ኣገልግሎት ክምልስ ከምዝኸኣለ ኣፍሊጡ።

ሸሞንተ በዓል 230 ኪሎ ቮልትን ሓሙሽተ በዓል 132 ኪሎ ቮልትን ዓቕሚ ዘለዎም መከፋፈሊ ጣቢያታት ተፀጊኖም ኣገልግሎት እናሃቡ ይርከቡ ተባሂሉ።

1 ሺሕን 561 ኪሎ ሜትር ንውሓት ዘለዎ በዓል 230ን 132 ኪሎ ቮልትን መስመራት መመሓላለፍቲ ሓይሊ ፅገና ተገይሩሎም ንኣገልግሎት ክፍቲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

እቲ ትካል ስራሕቱ ኣሳሊጡ ዘሎ÷ ኣብ መስመራት ኮምቦልቻ – ወልዲያ- ኣላማጣን መስመራት ወልቃይት – ሑመራ – ሽረን ከምዝኾኑ ገሊፁ።

መከፋፈሊ ጣቢያ ዶሮ ግብር ካብ ተንቀሳቓሲ ናብ ቀዋሚ መከፋፈሊ ጣቢያ ከምዝተቐየረ እውን ተመልኪቱ።

ዝተረፈ መስመራት ጭፍራ፣ ሓራ ገበያን ዝተወሰኑ ከባቢታት ጨዓፋርን ሓይሊ ንኽረኽቡ ኣብ ዝገብሩ መስመራት ዝስራሕ ስራሕቲ ምቆፃፀሪ ከምዝሖነ ተገሊፁ።

እቲ ስራሕ ኣብ ሓደ ሰሙን ከምዝዛዘም÷ ዳይሬክተር ኮሙዩኒኬሽን እቲ ትካል ሞገስ መኮንን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

ዝተረፈ ስራሕ እንተይሓወሰ ንስራሕቲ ፅገና ልዕሊ 328 ሚሊየን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.