Fana: At a Speed of Life!

ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ተነቢሩ ዝነበረ እግድ ብምልዓል ካብ 1 ሰነ 2012 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ መላእ ትግራይ ምንቅሰቓሰ ተፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣካቢ ኮማንድ ፖስትን ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል መኸተ ቫይረሰ ኮሮና ኣመልኪቶም ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቦም።

ዶክተር ደብረፂዮን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ካብ 1 ሰነ 2012 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ መላእ ትግራይ ብልዑል ጥንቃቐ ምንቅሰቓሰ መጓዓዝያ ንክግበር ከምዝተፈቐደ ሓቢሮም።

ብተመሳሳሊ እንዳ መሰተ ክሳብ ምሸት ሰዓት 2 ጥራሕ ኣገልግሎት ክህባ ተፈቒዱ ኣሎ ኢሎም።

ብተወሳኺ ማእኸላት መሰልጠኒ መግንሒ ፍቓድ መካይን ክሳብ 10 ሰብ ኣብ ሓደ ክፍሊ ብምምሃር ኣገልግሎት ክህባ ተፈቒዱ ኣሎ።

ጉዳይ ሃይማኖት ከከም ውሳነ እተን ኣብያተ እምነት ክልሕልሕ ዝግበኦ ከላሕልሓ ውሳነ ከምዝተውሃበ እውን ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦Tigrai Mass Media Agency

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.