Fana: At a Speed of Life!

ብምኽንያት ኮቪድ-19 ተናዊሑ ዝነበረ ሃገራዊ መረፃ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቅድመ ኹነት ብምምላእ ምክያድ ከምዝከኣል ሚኒስቴር ጥዕና ምኽረ-ሓሳብ ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብምኽንያት ኮቪድ-19 ተናዊሑ ዝነበረ ሃገራዊ መረፃ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቅድመ ኹነት ብምምላእ ምክያድ ከምዝከኣል ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ምኽረ-ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 3ይ ህፁፅ ኣኼብኡ ፅባሕ የሳልጥ ኣሎ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ምላሽ ለበዳ ኮቪድ-19ን ቀፀልቲ ስጉምቲታትን ዝምልከት ፀብፃብ ነቲ ባይቶ ምኽረ-ሓሳብ ኣቕሪበን።

ኣብቲ ዘቕረበኦ ፀብፃብን ምኽረ-ሓሳብን ድማ ዝርገሐ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣይነኪ እምበር፥ ኣብ ቅድመ ምክልኻልን ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ምግታእን ዘሎ ከይዲ ብኹሉ ብርኪ ዓቕሚ ምዕባይ ከምዝተኽኣለ ገሊፀን።

ኣብ ኢትዮጵያ ለበዳ ኮቪድ-19 ናብ ኩለን ክልላት ዝተስፋሕፈሐ እንትኸውን፥ ብብርኪ ሃገር እቲ ቫይረስ ካብ ሞንጎ ዝተረኸቦም ሰባት እቶም 95 ሚኢታዊ ዝተፈለጠ ታሪኽ ጉዕዞ ዘይብሎም ከምዝኾኑ ተረጋጊፁ ኢዩ።

ክሳብ 6 መስከረም 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ 1 ሚሊየን 165 ሺሕን 647 ሰባት ምርመራ ላብራቶሪ ዝተገበረ እንትኸውን፥ በቲ ዝተገበረ ምርመራ 66 ሺሕን 224 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙን 1ሺሕን 45 ሰባት ድማ ህይወቶም ከምዝሓለፈን ኣፍሊጠን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓቕሚ ምምርማር ይኹን ክትትል ምግባር ከምዝዓበየ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ኣብ ወርሑሒ ነሓሰ ጥራሕ ልዑል ዝበሃል ቁፅሪ ዘለዎም ሰባት ገዛ ንገዛ ብምኻድ ምሕታት ከምዝተኸኣለን ነቲ ሕማም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ብምፍላይ ከምኡ እውን ግንዛበ ናይ ምፍጣር ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣብሪሀን።

ኣመራርሓታት ኣብቲ ለበዳ ትኹረት ክገብሩ ምኽኣሎም፣ መራኸብቲ ሓፋሽ ግንዛበ ኣብ ምፍጣር ሰፊሕ ስራሕ ስለዝሰርሑ፣ ዘድሊዩ ኣወዳድባታት ምስፋሕ ስለዝተኸኣለ ከምኡ እውን ልዕሊ 10 ሺሕን 500 ሃንደበታዊ ምላሽን ትዕዝብቲ ሕማም ዝገብሩ ጉጅለታት ምውዳብ ስለዝተኻኣለ ውፅኢታዊ ዝኾነ ዓቕሚ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ክዝተፈጠረ ኣገንዚበን።

ኣብ በቢወረድኡ መአከቢ ቦታታት ናሙና ላብራቶሪ ምስፋሕ ከምዝተኽኣለ እውን ኣብቲ ዘቕረበኦ ፀብፃብ ገሊፀን።

ዓቕሚ ምምርማር ብዝለዓለ ብርኪ ከምዝዓበየ ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ምብዛሕ ቁፅሪ ዓራት ትካላት ጥዕናን ምጅማር ግልጋሎት ሕክምና ገዛ ንገዛን ከምዝተኸኣለ ኣብሪሀን።

ብመሰረት እዚ ትምበያ ዝቕፅል ወርሒ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ቁፅሪ ሰባት፣ ቁፅሪ ሞትን ዝርገሐ እቲ ቫረስ ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ዝበፅሐሉ እዋን ብዋንኡ ክውሰን ዝኽእል ብኣካላዊ ምርሕሓቕ ከምኡ እውን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣብ ምጥቃምን ዝተደረኸ ኢዩ።

አእዚኦምን ካልኦት ነጥቢታትን ኣብ ግምት ዘእተዉ ብዙሓት ስጉምቲታት እናተወሰዱ ዝፀንሑ እንትኾኑ፥ ኣብ ዝቕፅል እውን ብዘሐሸ ብርኪ ክቕፅል ይግባእ ኢለን።

ኣብ ውሽጢ ከይዲ ምክያድ ሃገራዊ መረፃ ናይ ብዙሓት ዓለም ለኸ ተሞክሮታት ምልከታ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት ኣብ እዋን ለበዳ ቫይረስ ኮሮና መረፃ ከምዝተኻየደን ኣብ መብዛሕተአን ድማ ክመሓላለፍ ከምዝተገበረን ኣብሪሀን።

ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ሕማም ናይ ምክልኻል ይኹን ናይ ምቁፅፃር ምድላው ትሑት ኣብ ዝነበረሉ እዋን መረፃ ምስላጥ እቲ ስግኣት ዝበለፀ ከዕብዮ ስለዝኽእል ብዝተወሰነ ውሳነ ክናዋሕ ከምዝተገበረ ይፍለጥ።

እቲ ለበዳ ሕዚ እውን ስግኣት ጥዕና ይኹን እምበር ብመንፅር ቅድም ኢሎም ዝነበሩ ልምዲታት እንትረአ ልዑል ከምዘይኮነ፣ ተላባዲ ሕማም ኮቪድ-19 ንነዊሕ እዋን ክፀንሕ ስለዝኽእል፣ ብኣንፃራዊነት መረጻ እንትናዋሕ ብዛዕባ ዝረገሐ እቲ ሕማም ካብ ዝነበረ ሓበሬታ ሕዚ ዝሐሸ ስለዝኾነ፣ ቅድም ክብል ካብ ዝነበረ ኩነታት ምክልኻል ዝሐሸ ኣጋጣሚ ስለዘሎ፣ ግንዛበ ሕብረተሰብ ምምሕያሽ ብምርኣዩ፣ ምፍራይ መመርመሪ ኪት ሓዊሱ ዓቕሚ ምምርማር ክዓቢ ስለዝኸኣለን ብኹለመዳይ መልክዑ እንትረአ ዝሓሸ ምላሽ ስለዘሎን ከምኡ እውን ተሞክሮ ካልኦት ሃገራት ብምውሳድ ቀፂሎም ዘለዉ ቅድመ ኩነታት ብምምላእ ሃገራዊ መረፃ ምክያድ ከምዝከኣል ገሊፀን።

ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ ከይዲ መረፃ ብዝተፈለየ መልክዑ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣብ ግምት ዘእተወ ደምቢ ስነ-ምግባር መረፃን መምርሒታት መፈፀሚን ምድላው ከምኡ እውን በቶም ዝተዳለዉ መምርሒታት ኣብ ኩሉ ብርኪ እኹል ምድላው ብምግባር ናብ ተግባር ምእታው፤

ኣብ ከይዲ ኣብ ሓደሓደ ቦታታት ልዑል ዝኾነ ዝገሐ ለበዳ ቫይረስ እንተጋጢሙ ብፍሉይ ኩነታት ምርኣይ ከድሊ ከምዝኽእል ተሓሳቢ ብምግባር ምድላው ድሊ ኢዩ ክብላ ምኽረ-ሓሳብ ኣቕሪበን።

ኣባላት እቲ ባይቶ በቲ ዝቐረበ ፀብፃብ ሓሳብ እናሃቡሉ እንትኾኑ፥ በቲ ጉዳይ ምስተዛተዩ ውሳነ ከመሓላልፉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ምስ ምጅማር ትምህርቲ ተተሓሒዙ፥ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘቐመጦም መለክዒታት ብምትግባር ከከምከባቢኡ ጭቡጥ ኩነታት ብምጥዕዓም ኣቢያተ ትምህርቲ ምኽፋት ከምዝከኣል፤ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ሊያ ምኽረ ሓሳብ ኣቕሪበን።

ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሩ ግን እቶም መለክዒታት ብኣግባቡ ምትግባሮም ዘረጋግፀ ግብሪ ሓይሊ ኣብተን ኣቢያተ ትምህርቲ ክጣየሽ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብግድኡ፥ በቲ ዝቐረበ ምኽረ ሓሳብ ድሕሪ ምዝታይ ብዝርዝር ናብ ንቀዋሚ ኮሚቴ ህፃናት፣ መናእሰይን ህፃናትን ከምኡ እውን ቀዋሚ ኮሚቴ ሕጊ፣ ፍትሒን ዴሞክራሲን መሪሑ።

ብሃይለኢየሱስ ስዩም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.