Fana: At a Speed of Life!

ብሪታኒያ ክታበት ፒፋይዘር ካብ ዝመፅእ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ረብሓ ክውዕል ፍቓድ ሂባ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሪታኒያ ብፒፋይዘር/ባዮኤንቴክ ዝፈረየ ክታበት ቫይረስኮሮና ብስፍሓት ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል መረጋገፂ ፍቓድ ዝሃበት ፈላሚት ሃገር ኮይና።

ኤጀንሲ ቁፅፅር ኣፋውስን ናውቲ ሓለዋ ጥዕናን እታ ሃገር ከም ዘፍለጦ እቲ 95 ሚኢታዊት ካብ ኮቪድ-19 ክከላኸል ዝኽእል ክታበት ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ብስፍሓት ናብ ረብሓ ክውዕል ውሑስ ምዃኑ ተረጋጊጹ’ሎ።

ኣብ ፈላሞት መዓልታት ድማ ነቶም ተቓላዕቲ ዝበሃሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ብምኽታብ ከም ዝጅርም ተገሊጹ።

ብሪታንያ 40 ሚልየን ቢልቃጥ ክታበት ክፈርየላ ዝኣዘዘት ኮይና ብነብሲ ወከፍ ሰብ ከክልተ ክታበት ስለ ዝወስድ ድማ ን20 ሚልየን ክበጽሕ እዩ።

ኣስታት 10 ሚልየን ኣብ ቀረባ መዓልታት ፈርዩ ኣብ ውሽጢ ዝቕፅሉ ሒደት መዓልታት ናብታ ሃገር ክበጽሕ ትፅቢት ይግበር።

እዚ ዓይነት ክታበት ኣብ ታሪክ እቲ ኣብ ሓፂር እዋን ካብ ክልስ ሓሳብ ናብ ውፅኢታዊ ተግባር ዝተሰጋገረ ኮይኑ’ሎ።

ሚንስትር ጥዕና እታ ሃገር ማት ሃንኮክ ብትዊትር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፥ ሰባት ሓገዝ ዝረኽቡሉ እዋን ከም ዝቐረበ ብምግላጽ “ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ዝመፅእ ዘሎ ሰሙን ክታበት ንምጅማር ድልው ኮይኑ’ሎ” ኢሉ።

ፍልፍል፥ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.