Fana: At a Speed of Life!

ብር 371 ሚሊየን ወፃኢ ዝተገበረሎም ኣፋውስን ካልኦት ኣቑሑት ሕክምናን ናብ ክልል ትግራይ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብር 371 ሚሊየን ወፃኢ ዝተገበረሎም ኣፋውስን ካልኦት ኣቑሑት ሕክምናን ናብ ክልል ትግራይ ከምዝቐረቡ ኤጀንሲ ኣቕራቢ ኣፋውስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ጀነራል እቲ ኤጀንሲ ዶክተር ኣብዱልቃድር ገልገሎ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ቀረብ ኣፋውስ ከይተኣጓጎል ልዑል ትኹረት ተገይሩ ኢዩ።

ኣብቲ ክልል ፀገም ፀፅታ ድሕሪ ምፍጣሩ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ጨንፈራት ስራሕ ምጅማረን ስዒቡ ቀረብ ኣፋውስ እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ኤጀንሲ ናብቲ ክልል ቀረብ ኣፋውስን ኣቑሑት ሕክምናን ንምቕራብ ኣብ ከተማታት መቐለን ሽረእንዳስላሰን ካብ ዘለዋ ጨንፈራት ብተወሳኺ ጎረባብቲ ጨንፈራት ጎንደርን ደሴን ከምዝተጠቐሙ እውን ተዛሪቦም።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ብር 371 ሚሊየን ወፃኢ ዝተገበረሎም ኣፋውስን ኣቑሑት ናብቲ ክልል ከቕርብ ከምዝኸኣለ ኣብሪሆም።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ብር 181 ሚሊየን ወፃኢ ዝተገበረሎም ኣፋውስን ካልኦት ኣቑሑት ሕክምናን ናብ ትካላት ጥዕና ከምዝተኸፋፈሉ እቶም ዳይሬክተር ጀነራል ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ዝተረፉ ኣፋውስን ካልኦት ኣቑሑት ካብ ዝተኸዘኑሎም ማእኸላት ናብ ዝተፈላለዩ ትካላት ጥዕና ከምዝከፋፈሉ እውን ገሊፆም።

ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ ትካላት ጥዕና መሊስካ ንምጥያሽ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ብምትእኽኻብ ናብቲ ክልል ከምዝተለኣኹ እውን ኣብሪሆም፡፡

ፍልፍል፦ ግዜኢ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.