Fana: At a Speed of Life!

ብሰለስተ ኣንፈታት ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ይጓዝ ኣሎ – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥት

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታት ንምብፃሕ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ልምዓት ብምትሕብባር ብሰለስተ ኣንፈታት (ኮሪደራት) ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ እናጓዓዓዘ ከምዝርከብ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥት ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት ከምዝሓበሮ÷ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌዴራል ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ስምምዕነት ስዒቡ መንግስቲ ቃል ዝኣተዎ ኣብ ትግራይ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን እናሳለጠ ይርከብ።

ዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልቲታት ቀንዲ ቀንዲ ሓበሬታታ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቦም ኣለዉ፦

ብኮሪደር ጎንደር

  • 17 ሕዳር – ካብ ጎንደር ብወገን ሑመራ ናብ ሽረ 1 ሺሕን 137 ሜትሪክ ቶን እኽሊ ዝፀዓና 30 መኻይን ትካል ምግቢ ዓለም ተላኢኸን፤ ካብዚ ብተወሳኺ 212 ሜትሪክ ቶን እኽሊ ዝፀዓና 10 ናይ ፅዕነት መኻይን ካብ ጎንደር ናብ ማይፀብሪ ተጓዓዒዘን
  • 17 ሕዳር – ትካል ምግቢ ዓለም ብ24 መኻይን 1 ሺሕን 043 ሜትሪክ ቶን እኽሊ ካብ ጎንደር ናብ ሽረ ተላኢኹ
  • 19 ሕዳር – ካብ ሽረ ናብ ማይፀብሪ ሓገዝ እኽሊ ዘጓዕዛ 11 ከበድቲ ተሽከርከርቲ ይፀዓና ኣለዋ
  • 20 ሕዳር – 380 ሜትሪክ ቶን ሓገዝ ምግቢ ዝፀዓና 17 መኻይን ትካል ምግቢ ዓለም ካብ ጎንደር ናብ ማይ ፀብሪ ̸ዲማ ተላኢኸን።

ከምኡ እውን ካብ ጎንደር ሽረ ሓገዝ ምግቢ ኣብፂሐን 9 ተሸከርከርቲ ናብ ጎንደር ተመሊሰን

ብኮሪደር ኮምቦልቻ

  • 17 ሕዳር – ካብ ኮምቦልቻ ዝተበገሳ 626 ሜትሪክ ቶን ሓገዝ ምግቢ ዝፀዓና 22 ተሽከርከርቲ ዛታ በፂሐን
  • 18 ሕዳር – ትካል ምግቢ ዓለም 54 ሓገዝ ምግቢ ዝፀዓና ተሽከርከርቲ ካብ ኮምቦልቻ ተበጊሰን ናብ ኦፍላ፤ ራያ ኣላማጣ በፂሐን
  • 19 ሕዳር – ኣብ ዞባ ደቡብ ንዝርከባ ወረዳታት ባላ፤ ኮረምን ካልኦት ወረዳታትን ዝለኣኽ እኽሊ እናተፃዓነ ይርከብ

ብኮሪደር ሰመራ

  • 17 ሕዳር – 34 ዝተፈላለየ ሓገዝ ዝፀዓና ተሽከርከርቲ መቐለ በፂሐን።

መቐለ ዝኣተዉ ዓይነታት ሓገዝ÷ 77 ሜትሪክ ቶን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናውቲታት፣ 1 ሺሕን 223 ሜትሪክ ቶን እኽሊ ከምኡ እውን 95 ሺሕን 272 ሊትሮ ነዳዲን ኢዮም።

  • 18 ሕዳር – ብካቶሊክ ሪሊፍ ሰርቪስ ኣቢሎም ዝተለኣኹ ብድምር 175 መኻይን መቐለ በፂሐን
  • 20 ሕዳር – ሓገዝ ምግቢ 140 ተሽከርከርቲ ካብ ሰመራ ናብ መቐለ ጉዕዞ ከምዝጀመራ

ኣገልግሎት በረራ

  • 20 ሕዳር – ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣገልግሎት ሰባኣዊ በረራ ኣየር ኣቢሉ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ በረራ ኣውሮፕላን ተገይሩል፡፡

21 ሕዳር 2015 ዓ.ም

ኣዲስ ኣበባ

ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.