Fana: At a Speed of Life!

ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ቁፅሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ካብ 34 ሺሕ ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ዓለም ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ቁፅሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 34 ሺሕን 18 ምብፅሑ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ፀብፃብ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዓለም ለኸ ኩነታት ዝርገሐ ኮቪድ-19 ከምዚ ዝስዕብ ይመስል።

  • በዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 723 ሺሕን 740
  • በዝሒ ካፍቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት 152 ሺሕን 034
  • ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 34 ሺሕን 12
  • ኣብ ኣፍሪካ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 4 ሺሕን 351፤ 134 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ
  • ኣብ ጣሊያን ቀዳምን ሰንበትን ቁፅሪ መወትቲ ዝነከየ እንትኸውን፥ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ድማ 97 ሺሕን 689 በፂሑ ኣሎ።

ኣብ ኣሜሪካ በዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 143 ሺሕን 25 እንትበፅሕ፥ ዝርገሐ ናይቲ ለበዳ ንምንካይ ብዝብል ርሕቐትካ ምሕላው ዝብል መምርሒ ክሳብ 21 ሚያዝያ 2012 ንኽናዋሕ ወሲና ኣላ።

ኔፓል ድማ ዜጋታታ ካብ ገዛ ንኸይወፅኡ ዘመሓላለፈቶ ውሳነ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 7 ማዝያ 2020 ምንዋሓ ዕላ ገይራ።

ጃፓን ድማ ካብ ኣሜሪካ፣ ቻይና፣ ደቡብ ኮሪያ ከምኡ እውን ካብ ኩለን ሃገራት ኣውሮፓ ዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ክትእግድ ምዃና ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.