Fana: At a Speed of Life!

ብሽም ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰልን፤ ዝግበር ሃገር ናይ ምፍራስ ፈተነ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ደው ዝብል – ሻለቃ ኣትሌት ሃይለ ገብረስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ብሽም ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰልን፤ ዝግበር ሃገር ናይ ምፍራስ ፈተነ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ደው ዝብል ብዘይምኳኑ ኣፍሪካውያን እውን ኣብ ወፍሪ #ይኣክል ብሰፊሑ ክፅንበሩ ኣለዎም ክብል ሻለቃ ኣትሌት ሃይለ ገብረስላሴ ፃውዒት ኣቅሪቡ።

ገለ ምዕራባውያን ሃገራት፤ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎን ነዊሕ ዘበን ዘቑፀረ ምሕዝነት፤ ብዘይምጥን መልክዑ ፅዕንቶ ንምፍጣር እናተንቀሳቐሱ ከምዝኾነ ኣልዒሉ።

ሻለቃ ሃይለ ገብረስላሴ ምስ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት÷ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሃገር ናይ ምፍራስ ዕላማ ዝገበረ ኩናት ውክልና ከምዝተኸፈተ ተዛሪቡ።

“ስለዝኾነ ድማ ንሕና ኢትዮጵያውያን፤ ሃገርና ንምድሓን ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ብዘይ ኣፈላላይ ተላዒልና ኢና” ኢሉ።

ገለ ምዕራባውያን ሃገራት ብሽም ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰልን ብዙሓት ሃገራት ከምዝፈረሳ ድሕሪ ምሕባር÷ ከም ኣብነት ሊብያ ኣልዒሉ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያን  “#ይኣክል” ብዝብል ኣብ ዝገበርዎ ሰላማዊ ሰልፊ፤ ኣፍሪካውያን ኣሕዋትና ኣብ ጎንና ከምዝኾኑ ብተግባር ኣረጋጊፆምልና እዮም ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ “#ይኣክል” ንወፍሪ ኩናት ጥራይ ዘይኮነስ ኣፍሪካ ንምብዝባዝ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ሽርሒ ዝቃወም ከምዝኾነ እውን ኣብሪሁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣፍሪካውያን ናብ ኢትዮጵያ ገፆም ከዙሩ ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ መላእ ኣፍሪካውያን “ኢትዮጵያ እንታይ ስለዝገበረት እዩ እዚ ኩሉ ፅዕንቶ ዝዓርፋ ዘሎ?” ኢሎም ክሓቱ ከምዝግበኦም ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.